ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 1/4 ገጽ 13
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፊልሞንን ኦኔሲሞስን ብክርስትያናዊ ሕውነት ሓበሩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ጳውሎስ ኣብ ሮሜ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 1/4 ገጽ 13

ትፈልጥዶ፧

ኣብ ግዝኣት ሮሜ፡ ህይወት ባሮት ከመይ ይመስል ነይሩ፧

ኣብ ክሳድ ሓደ ሮማዊ ባርያ ዚንጥልጠል ዝነበረ እተጻሕፎ ሓጺን

ሮማውያን ባሮት ዜንጠልጥልዎ ዝነበሩ ሓጺን

ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ፡ ብዙሓት ሰባት ብምኽንያት ወተሃደራዊ ዓወት ወይ ብምኽንያት ጭውያ፡ ባሮት ይዀኑ ነበሩ። እዞም ሰባት እዚኦም ይሽየጡ ስለ ዝነበሩ፡ ናብ ቤቶም ወይ ናብ ስድራ ቤቶም ኣይምለሱን እዮም ነይሮም።

ብዙሓት ባሮት፡ ክሳዕ ዚሞቱ ኣብ ቦታታት መዐደኒ ይሰርሑ ነበሩ፣ እቶም ኣብ ቦታ ሕርሻን ኣብ ዘቤታዊ ዕዮን ዚዓይዩ ዝነበሩ ግና፡ ዝሓሸ ናብራ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ሓደ ባርያ፡ ናብ ዋናኡ ንዝመለሶ ሰብ ካሕሳ ኸም ዚውሃብ ዚገልጽ ሓሳብ እተቐርጾ ሓጺን፡ ኣብ ክሳዱ ኼንጠልጥል ይግደድ ነበረ። ነቶም ብተደጋጋሚ ኺሃድሙ ዝፈተኑ ባሮት ኣብ ግንባሮም፡ ናይ መጀመርታ ፊደል (F) እታ “ሃዳሚ” ዚትርጕማ “ፉጂቲቩስ” እትብል ቃል፡ ብመዓለም ይጸሓፈሎም ነበረ።

እታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ናብ ፊልሞን እተላእከት መልእኽቲ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኻብ ፊልሞን ዝሃደመ ኦኔሲሞስ ዝስሙ ባርያ፡ ናብ ዋናኡ ኸም ዝመለሶ ትገልጽ እያ። ፊልሞን ንኦኔሲሞስ ናይ ምቕጻዕ ሕጋዊ መሰል እኳ እንተ ነበሮ፡ ጳውሎስ ግና ንፊልሞን፡ ብፍቕርን ብሕውነትን ተደሪኹ፡ ብለውሃት ኪቕበሎ እዩ ተማሕጺንዎ።—ፊልሞን 10, 11, 15-18።

ጥንታዊት ፊንቄ ብጁኽ ሕብሪ እትፍለጥ ዝነበረት ስለምንታይ እያ፧

ሚራክስ ዚብሃሉ ድርዒ ዘለዎም እንስሳ ባሕርን ጁኽ ዝሕብሩ ጸምሪ ጢሮስ

ኣብ ከባቢ እታ ሎሚ ሊባኖስ እትብሃል ሃገር ዝነበረት ፊንቄ፡ ብጁኽ ሕብሪ ጢሮስ ፍልጥቲ እያ ነይራ። እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን፡ ነታ ዝሃነጻ ቤተ መቕደስ፡ ካብ ጢሮስ ዝመጹ ኽኢላታት ብዝሰርሕዎ “ሕብሪ ደም” ወይ ጁኽ ዝሕብሩ ጸምሪ ገይሩ ኣማዕሪጉዋ ነበረ።—2 ዜና መዋእል 2:13, 14።

ብግዜ ጥንቲ፡ ጁኽ ሕብሪ ጢሮስ ኣዝዩ ኽቡር ዝነበረ፡ ብቐንዱ ንዕኡ ንምድላው ኣዝዩ ብዙሕ ዕዮ ይሓትት ስለ ዝነበረ እዩ። ብቐዳምነት፡ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ሚራክስ ዚብሃሉ ድርዒ ዘለዎምa ብዙሓት እንስሳ ባሕሪ እዮም ዚገፍፉ ነይሮም። ንሓደ ኽዳን ንምቕላም፡ ኣስታት 12,000 ሚራክስ እዮም ዜድልዩ ነይሮም። ቀጺሉ፡ ነቲ ኣብ ጽኪ እቶም እንስሳታት ባሕሪ ዚርከብ ሕብሪ ንምውጻእ፡ እቶም እንስሳታት ካብ ድርዖም ይፍለዩ ነበሩ። እቶም ሕብሪ ዜዳልዉ ሰባት፡ ነቲ ኻብቲ ጽኪ እተረኽበ ሕብሪ ምስ ጨው ሓዊሶም፡ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ጸሓይ ይሰጥሕዎ ነበሩ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ሕብሪ ኣብ እተሸፈነ ገንኢ ገይሮም፡ ንሓያሎ መዓልትታት ብጨዋም ማይ ባሕሪ የፍልሕዎ።

ፊንቄኣውያን ንኣማእታት ዓመታት፡ ብንግድን ንሃገራት ብምውራርን፡ ንመሸጣን ንምድላውን ጁኽ ሕብሪ ጢሮስ ተቘጻጺሮምዎ ነበሩ። ነዚ ዚምስክር መርትዖ ድማ ኣብ ከባቢ ባሕሪ መዲተራነያን፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብታ ብሸነኽ ምብራቕ እትርከብ ካዲዝ እትብሃል ከተማ ስጳኛ ተረኺቡ እዩ።

a ንውሓት ድርዖም ካብ ሓሙሽተ ኽሳዕ ሸሞንተ ሰንቲ ሜተር ይኸውን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ