ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 15/4 ገጽ 32
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ክዳውንቲ ኻህናት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 15/4 ገጽ 32

ትፈልጥዶ፧

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደይመደይ ኢልካ ኽዳንካ ምቕዳድ እንታይ እዩ ዜመልክት ነይሩ፧

ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ሰባት ንኽዳኖም ብዛዕባ ዝቐደዱሉ ሓያሎ ዅነታት ይገልጽ እዩ። እዚ ተግባር እዚ ንዘመናዊ ኣንባቢ ኼገርሞ ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ እቲ ተግባር ንኣይሁድ፡ ምልክት ምቝራጽ ተስፋን ሓዘንን ጓህን ውርደትን ቍጥዓን እዩ ነይሩ።

ንኣብነት፡ ሮቤል ንዮሴፍ ሓዉ ኼድሕኖ ሓሲቡ እኳ እንተ ነበረ፡ ዮሴፍ ናብ ባርነት ከም እተሸጠ ምስ ፈለጠ፡ “ክዳኑ ቐደደ።” ያእቆብ እውን እንተ ዀነ፡ ዮሴፍ ብኣራዊት እተበልዐ ስለ ዝመሰሎ፡ ‘ኽዳኑ ቐዲዱ እዩ።’ (ዘፍ. 37:18-35) እዮብ፡ ኵሎም ደቁ ኸም እተቐትሉ ምስ ሰምዐ፡ “ክዳኑ ቐደደ።” (እዮ. 1:18-21) ሓደ ‘ኽዳውንቱ ዝቐደደ’ መልእኽተኛ ናብ ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት መጺኡ፡ እስራኤላውያን ኣብ ውግእ ከም እተሳዕሩ፡ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ ኸም እተቐትሉ፡ ታቦት ኪዳን ድማ ከም እተማረኸ ነገሮ። (1 ሳሙ. 4:12-17) ዮስያስ ንቓላት ሕጊ ሙሴ ምስ ሰምዐ፡ ጌጋታት ህዝቡ ስለ እተረድኦ፡ “ክዳውንቱ ቐደደ።”—2 ነገ. 22:8-13።

የሱስ ኣብ እተፈርደሉ እዋን፡ ቀያፋ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ቃላት የሱስ ጸርፊ ስለ ዝመሰሎ፡ “ክዳኑ ቐደደ።” (ማቴ. 26:59-66) ብመሰረት ያታ ረቢታት፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ መለኮታዊ ስም ኪጽረፍ ከሎ እንተ ሰሚዑ፡ ክዳኑ ናይ ምቕዳድ ግዴታ ነበሮ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ጥፍኣት ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ዝነበረ ኻልእ ያታ ረቢታት፡ “መለኮታዊ ስም ኪጽረፍ ከሎ ዝሰምዐ ሰብ፡ ክዳውንቱ ኪቐድድ ኣየድልዮን እዩ፣ ኵሉ ሳዕ ከምኡ ዚገብር እንተ ዀይኑ ግና፡ ዕሩቕ እዩ ዚኸውን” ይብል ነበረ።

ሓደ ሰብ ካብ ልቡ እንተ ዘይጕህዩ፡ ክዳኑ ምቕዳዱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ የብሉን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ የሆዋ ንህዝቡ፡ ‘ክዳንኩም ኣይኰነን፡ ልብኹም ደኣ ቕደዱ፣ ናባይ እውን ተመለሱ’ ዝበሎም።—ዮኤ. 2:13።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ