ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/11 ገጽ 9
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “እቲ ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን፧”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • የሆዋ ንዮሴፍ ፈጺሙ ኣይረስዖን
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • “ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ፧”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • የሆዋ የቕንዓልካ ኣሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/11 ገጽ 9

ትፈልጥዶ፧

ዮሴፍ ናብ ፈርኦን ቅድሚ ምእታዉ እተላጸየ ስለምንታይ እዩ፧

ሓደ ቐምቃማይ እናቐምቀመ ኸሎ ዜርኢ ጥንታዊ ቕብኣ መንደቕ ግብጻውያን

ሓደ ቐምቃማይ እናቐምቀመ ኸሎ ዜርኢ ጥንታዊ ቕብኣ መንደቕ ግብጻውያን

ብመሰረት እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ፡ ፈርኦን፡ እቲ ዮሴፍ ዚብሃል እብራዊ እሱር ነቲ ዚርብሽ ሕልምታቱ ምእንቲ ኺፈትሓሉ፡ ብቕልጡፍ ኣብ ቅድሚኡ ኪቐርብ ኣዘዘ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ዮሴፍ ድሮ ንሓያሎ ዓመታት ተኣሲሩ ነበረ። መጸዋዕታ ፈርኦን ህጹጽ እኳ እንተ ነበረ፡ ዮሴፍ ግና ግዜ ወሲዱ ተላጸየ። (ዘፍጥረት 39:20-23፣ 41:1, 14) እቲ ጸሓፊ፡ ነዚ ዘይረብሕ ዚመስል ዝርዝራት እውን ከይተረፈ ምጽሓፉ፡ ንልምድታት ግብጺ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ኸም ዝነበረ እዩ ዜርኢ።

ንእብራውያን ሓዊስካ ኣብ ብዙሓት ጥንታውያን ህዝብታት፡ ምንዋሕ ጭሕሚ ልሙድ እዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ከምቲ ብማክሊንቶክን ስትሮንግን እተዳለወት ሳይክሎፔድያ ኦቭ ቢብሊካል፡ ቲኦሎጂካል፡ ኤንድ ኤክለሲያስቲካል ሊትረቸር ዘርእስታ መጽሓፍ ዝገለጸቶ፡ “ካብ ምብራቓውያን ህዝብታት፡ ጭሕሞም ዘየንውሑ ዝነበሩ ጥንታውያን ግብጻውያን ጥራይ እዮም።”

ጭሕሞም ጥራይ ድዮም ዚላጸዩ ነይሮም፧ እታ ቢብሊካል ኣርኪዮሎጂ ረቪው እትብሃል መጽሔት፡ ኣብ ገሊኡ ጽምብላት ግብጻውያን፡ ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንኪቐርብ፡ ልክዕ ከምቲ ናብ ቤተ መቕደስ ኪኣቱ ኸሎ ዚገብሮ ልምድታት ኪገብር ከም ዜድልዮ ሓበረት። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ፡ ዮሴፍ ንዅሉ እቲ ኣብ ርእሱን ሰብነቱን ዝነበረ ጸጕሪ ኺላጸዮ ዝነበሮ።

እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ ጸብጻብ፡ ኣቦ ጢሞቴዎስ ግሪኻዊ ኸም ዝነበረ እዩ ዚገልጽ፣ እሞ፡ ግሪኻዊ መበቈል እዩ ነይርዎ ማለት ድዩ፧

ኣቦ ጢሞቴዎስ ዕዮኡ እናዓየየ፡ ኣዲኡ ኸተንብበሉ ኸላ

ናይ ግድን ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝጸሓፎ ጽሑፋቱ፡ ሓድሓደ ግዜ ንኣይሁዳውያን ምስ ግሪኻውያን ወይ ሄለናውያን ኬነጻጽሮም ከሎ፡ ንዅሎም ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ ሰባት ከም ግሪኻውያን ገይሩ ይገልጾም ነበረ። (ሮሜ 1:16፣ 10:12) ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ዝገበረሉ ምኽንያታት፡ ኣብቲ ጳውሎስ ዚሰብከሉ ዝነበረ ኸባቢታት፡ ቋንቋን ባህልን ግሪኽ ኣስፋሕፊሑ ስለ ዝነበረ ምዃኑ ኣየጠራጥርን እዩ።

ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት፡ ንመን እዮም ከም ግሪኻውያን ዚርእይዎም ነይሮም፧ ኣብ ራብዓይ ዘመን ቅ.ክ. ኣብ ኣቴና ዝነበረ ሶቅራጦስ ዚብሃል መዳሪ፡ ነቲ ባህሊ ግሪኽ ኣብ ዓለም ዜስፋሕፍሓሉ ዝነበረ መገዲ ኣመልኪቱ ብሓበን፡ “እቶም ግሪኻውያን ተባሂሎም ዚጽውዑ፡ ግሪኻዊ መበቈል ዘለዎም ዘይኰኑስ ትምህርትና ኺመሃሩ ኣጋጣሚ ዝረኸቡ እዮም” በለ። ስለዚ እምበኣር፡ ርግጸኛታት እኳ እንተ ዘይኰንና፡ እቲ ጳውሎስ ከም ግሪኻዊ ዝጠቐሶ ኣይሁዳዊ ዘይኰነ ኣቦ ጢሞቴዎስ ኰነ ኻልኦት፡ ብትውልዲ ዘይኰነስ ብባህሊ እዮም ግሪኻውያን ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:1።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ