ትሕዝቶ
ጥሪ 2016
© 2016 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
29 ለካቲት 2016–6 መጋቢት 2016 ዘላ ሰሙን
ጥቕሲ ዓመት 2016 እንታይ እያ፧ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኽንርእያ ኸለና፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንሓስብ ዚግብኣና፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብ ጥቕሲ ዓመት ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእል ትገልጽ።
7-13 መጋቢት 2016 ዘላ ሰሙን
12 በቲ ‘ኺግለጽ ዘይከኣል ውህበት ኣምላኽ’ ንደረኽ
የሆዋ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ‘ኪግለጽ ዘይከኣል ውህበት’ ኣምላኽ ኢሉ ዝጸውዖ ሂቡና እዩ። (2 ቈረ. 9:15) እዚ ውህበት እዚ እንታይ እዩ፧ ኣስኣሰር ክርስቶስ የሱስ ብምስዓብ ንኣሕዋትና ከነፍቅሮምን ካብ ልብና ይቕረ ኽንብለሎምንከ ብኸመይ ይድርኸና፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ ኽንገብሮ እንኽእል ነገራትን ክንርኢ ኢና።
14-20 መጋቢት 2016 ዘላ ሰሙን
17 እቲ መንፈስ ባዕሉ ምስ መንፈስና ዀይኑ ይምስክር
21-27 መጋቢት 2016 ዘላ ሰሙን
እዘን ክልተ ዓንቐጻት እዚአን ሓደ ሰብ ሰማያዊ ጽውዓ ኸም ዘለዎ ኸመይ ገይሩ ኸም ዚፈልጥን ሓደ ካብቶም ቅቡኣት ምዃኑ እንታይ ማለት ከም ዝዀነን ኪገልጻ እየን። ብተወሳኺ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ንርእሶም ብኸመይ ኪርእይዋ ከም ዘለዎምን ቍጽሪ እቶም ኣብ በዓል ዚኽሪ ዚወስዱ ምውሳኹ ብኸመይ ክንርእዮ ኸም ዚግብኣናን ክንምርምር ኢና።
28 መጋቢት 2016–3 ሚያዝያ 2016 ዘላ ሰሙን
ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ የሆዋ ንኻልኦት ሰባት ኣብ ምፍጻም ዕላማኡ እጃም ኪህልዎም ዓዲምዎም እዩ። ብደረጃ ዓለምለኸ፡ ምስክርነት ኪወሃብ ዕላማኡ እዩ፣ ኣብዚ ዕዮ እዚ ኽንሳተፍ ከኣ ዓዲሙና እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ መዓይይቲ ኣምላኽ ብምዃን እንረኽቦ በረኸት ትገልጽ።
ገበር፦
ማዳጋስካር
ኣብ ሞሮንዳቫ፡ ማዳጋስካር ኣብ ዚርከብ ኣሊ ኦፍ ዘ ባኦባብስ ዚብሃል ጐደና፡ ሓደ ፈላሚ ንሓደ ብዓል ዓረብያ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ኼርእዮ ኸሎ
ኣስፋሕቲ
29,963
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ
77,984
ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ