ትሕዝቶ
23-29 ጥቅምቲ 2017 ዘላ ሰሙን
የሆዋ ብሉጽ ኣብነት ርእሰ ግትኣት እዩ። ሰባት ነዛ ባህርይ እዚኣ ኣብ ምርኣይ ንየሆዋ ኺመስልዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ርእሰ ግትኣት ከተማዕብልከ እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል፧
30 ጥቅምቲ 2017–5 ሕዳር 2017 ዘላ ሰሙን
ርሕሩሕ ምዃን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋን የሱስን ነዛ ባህርይ እዚኣ ብምርኣይ ዝመጸ ፍጹም ኣብነት ይዀኑና እዮም። ነቲ ኣብነቶም ግብራዊ ብዝዀነ መገድታት ክንቀድሖ እንኽእል ግና ብኸመይ ኢና፧ ከምኡ ምስ እንገብርከ እንታይ ጽቡቕ ውጽኢት ኢና እንረክብ፧
13 ታሪኽ ህይወት—ምስ መንፈሳውያን ሰብኡት ብምዕያየይ ተባሪኸ እየ
6-12 ሕዳር 2017 ዘላ ሰሙን
18 “ቃል ኣምላኽና . . . ንዘለኣለም ይነብር”
13-19 ሕዳር 2017 ዘላ ሰሙን
መጽሓፍ ቅዱስ ብብዙሕ ቋንቋታት ምህላዉ ዜደንቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ንቓል ኣምላኽ ብእንርድኦ ቛንቋ ኽንረኽቦ ብምኽኣልና ሞሳ ኸም ዚስምዓና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እዘን ዓንቀጻት እዚአን፡ ንመጽሓፍ ቅዱስን ንደራሲኡን ዝያዳ ፍቕርን ሞሳን ንኺህልወና ኺሕግዛና እየን።
20-26 ሕዳር 2017 ዘላ ሰሙን
ትብዓት ንክርስትያናት ኣገዳሲት ባህርይ እያ። ካብቶም ጥንቲ ዝነበሩ ኣብነታት ትብዓት ክንምሃር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መንእሰያትን ወለድን ብዕድመ ዝደፍኣ ኣሓትን እተጠምቁ ኣሕዋትን፡ ብትብዓት ሰናይ ስራሕ ኪሰርሑ ድሉዋት ከም ዝዀኑ ኼርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧