ኣብ መጻኢ እንታይ ይጽበየና ኣሎ፧
© 2018 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
እዚ ጽሑፍ እዚ ንመሸጣ እተዳለወ ኣይኰነን። ክፍሊ እቲ ፈቲኻ ብዚግበር ወፈያ ዚድገፍ ዓለምለኻዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታዊ ዕዮ እዩ። ወፈያ ኽትገብር እንተ ደሊኻ፡ ኣብ www.pr418.com/ti ርአ። ፍልይ ዝበለ መግለጺ እተዋህቦ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኵሉ ጥቕስታት ቅዱሳት ጽሑፋት ካብቲ ብዘመናዊ ቛንቋ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም እተወስደ እዩ።
እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ማለት ግምቢ ዘብዐኛ፡ ነቲ ዝለዓለ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ተኽብሮ እያ። እታ ኣብ ሰማይ እትርከብ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንዅሉ እከይ መወዳእታ ኸም እትገብረሉን ንምድሪ ናብ ገነት ከም እትቕይራን ብምግላጽ ንሰባት ብብስራት ተጸናንዕ። ኣብቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ ዝሞተ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ሰማይ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ዚገዝእ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ፡ እምነት ከነሕድር ተተባብዕ። እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ካብ 1879 ኣትሒዛ ኸየቋረጸት ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እትሕተም ዘላ ኻብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ናጻ ዝዀነት መጽሔት እያ። ቀንዲ ምንጪ እቲ ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ዘሎ ሓሳብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።