ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w18 ሚያዝያ ገጽ 32
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብ2013 እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ህያው ትርጉም ቃል ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ሀ3 መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ኢሉ ኣባና በጺሑ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • ሀ1 ስርዓታት ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
w18 ሚያዝያ ገጽ 32

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

መዝሙር 144:12-15፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ድዩ ዜመልክት ወይስ ነቶም ኣብ ፍቕዲ 11 ተጠቒሶም ዘለዉ እኩያት ጓኖት፧

እቲ ቓላት እብራይስጢ ኻብ ሓደ ንላዕሊ ትርጉም የመሓላልፍ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ዚስዕብ ረቛሒታት ነቲ ቕኑዕ ሓሳብ ክንርዳእ ይሕግዘና፦

  1. ነቲ ዝተረፈ ኽፋል መዝሙር ኣስተብህለሉ። ኣጠቓቕማ እታ “ሽዑ” እትብል ኣብ ፍቕዲ 12 ዘላ ቓል፡ እቲ ኻብ ፍቕዲ 12 ክሳብ 14 ዘሎ በረኸት፡ ኣብቶም ጻድቃን፡ ማለት ኣብቶም ካብ እኩያት (ፍቕዲ 11) “ኣናግፈንን ኣድሕነንን” ኢሎም ዚሓትቱ ኸም ዚውዕል እያ እተመልክት። እዚ ሓሳብ እዚ፡ ኣብ ፍቕዲ 15 እውን ተንጸባሪቑ ኣሎ። ኣብኡ እታ ኽልተ ሳዕ ተጠቒሳ ዘላ “ሕጉስ” እትብል ቃል፡ ነቲ “የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ!” እያ እተመልክት።

  2. እዚ ምርዳእ እዚ፡ ምስቲ ንእሙናት ህዝቢ ኣምላኽ ቃል እተኣትወሎም ኣብ ካልእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መለኮታዊ በረኸት ዚሰማማዕ እዩ። እዚ መዝሙር እዚ፡ ዳዊት ኣብቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ጸላእቶም ምስ ኣድሓኖም፡ ነቶም ህዝቢ ብሓጐስን ብብልጽግናን ከም ዚባርኾም ዘተስፈዎ ተስፋ ጽኑዕ እምነት ከም ዝነበሮ ዜርኢ እዩ። (ዘሌ. 26:9, 10፣ ዘዳ. 7:13፣ መዝ. 128:1-6) ንኣብነት፡ ዘዳግም 28:4፡ “ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ፍረ ማልካን ምራኹት ከብትኻን ዕያውቲ ኣባጊዕካን ብሩኽ ኪኸውን እዩ” ትብል። ሓቂ እዩ፡ ኣብ እዋን ግዝኣት ሰሎሞን ወዲ ዳዊት፡ እቲ ህዝቢ ተራእዩ ዘይፈልጥ ህድኣትን ብልጽግናን ረኺቡ ነበረ። ብዘይካዚ፡ ገሊኡ መዳያት ንግስና ሰሎሞን ኣብ መጻኢ ኣብ ትሕቲ መሲሓዊ ግዝኣት ብዛዕባ ዚፍጸም ነገራት እውን ይሕብር እዩ።—1 ነገ. 4:20, 21፣ መዝ. 72:1-20።

ኣብ መደምደምታ ድማ፡ እቲ ሕጂ ብዛዕባ መዝሙር 144 ዘሎና ምርዳእ፡ ብምልእታ እታ መዝሙር ነቲ ኣገልገልቲ የሆዋ ሃንቀው ኢሎም ዚጽበይዎ ተስፋ፡ ማለት ነቲ ኣብ ልዕሊ እኩያት መለኮታዊ ፍርዲ ምስ ተፈጸመ፡ ጻድቃን ነባሪ ሰላምን ብልጽግናን ከም ዚረኽቡ እተተስፈወ ተስፋ ኣዝዩ ብዝነጸረ መገዲ ዜንጸባርቕ እዩ።—መዝ. 37:10, 11።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ