ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሓዙ
1 ነቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርአ ዘሎ ዘደንቕ ወሰኽ ከነንብብ ከሎናስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢና እንሕጎስ ! ይኹን እምበር ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣስፋሕቲ ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮና ጽልኢ : ዘይተገዳስነት ወይውን ገጽ ንገጽ ተቓውሞ የጋጥሞም ኢዩ ። ኣብቲ ዞባና ከምዚ እንተደኣ ኾይኑስ ከመይ ጌርና ኢና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክንሕዝ እንኽእል ? ነቲ ሓጎስና ክሰርቕ ወይ ድማ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ዘሎና ቅንኢ ከቕህሞ ዝኽእል ኣሉታዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ክንከላኸሎ ምኸኣልና ?
2 ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሚዛንና ክንሕሉ ይሕግዘና ኢዩ ። ኣብቲ ፈታኒ ኩነታትውን ይኹን ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ነረኣእያና ክቆጻጸሮ ክንሓድጎ የብልናን ። የሱስ ፍጹም ዝኾነ ኣርኣያ ገዲፉልና ኣሎ ። ትምህርቱ ውሑዳት ተቐበልዎ ። ብዙሓት ብትምህርቱ ተዓንቀፉ ። ምጽማሙ ብጽኑዕ ዝፍትኑ ኵነታት ኣጋጢሞምዎ እዮም ። መራሕቲ ሃይማኖት ንስርሑ ነቐፍዎ : ኽቐትልዎ ድማ ውዲት ገበሩ ። ጡፍ በሉሉ : ጸፍዕዎ : ኣላገጽሉ ሃረምዎን ኣብ መወዳእታ ድማ ቀተልዎ ። ይኹን እምበር : ኣብቲ ዝዓዮ ዝነበረ ዕዮ ሓጎስ ረኺቡ ኢዩ ። ስለምንታይ ? ምኽንያቱ ፍቓድ ኣምላኽ ናይ ምግባር ኣገዳስነት ስለ ዝተገንዘበ ኢዩ ። ተስፋ ድማ ኣይቆረጸን ። — ዮሃ. 4 : 34 ፣ 13 : 17 ፣ እብ. 12 : 2
3 ብዛዕባ ኣገልግሎትና ግቡእ ኣመለኻኽታ ምዕቃብ :- ነዚ ክንገብር ብዙሓት ረቋሒታት ኣብ ኣእምሮና ክንሕዝ የድልየና ። ዝበዝሑ ሰባት ግዲ ዘይገብርሉ ወይ ዝቃወምዎ መልእኽቲ ሒዝና ከም ዘሎና ዘክሩ ። (ማቴ. 13 : 14, 15) ምንም እኳ እቶም ሃዋርያት ብስም የሱስ ምምሃር ጠጠው ከብሉ ብሕጊ እንተተኣዘዙ : ኣብቲ ዕዮ ስብከቶም ብተኣማንነት ጸኒዖም ቆሙ ። እቲ ፍረ ድማ እናዓበየ ኸደ ። (ግብ. 5 : 28, 29 ፣ 6 : 7) ኣብ ገለ ዞባታት ውሑዳት ሰባት ከም ዝሰምዑ ኣቐዲምና ንፈልጦ ኢና ። (ማቴ. 7 : 14) ስለዚ ሰማዒ እዝኒ ዘለዎ ሓደ ሰብውን ይኹን እንተረኺብና ንሕጎስ ኢና ። እቶም ዝጻረሩውን እንተኾኑ ንምስማዕ ኣጋጣሚ ክረኽቡ ከም ዘለዎም ዘክሩ ። (ህዝ. 33 : 8) ገለ ተጻረርቲ ዝነበሩ ድማ ኣብ መወዳእታ ተለዊጦም ኣምለኽቲ የሆዋ ይኾኑ ኢዮም ። ኣገልግሎትና ብዝግባእ ጌርና እንተሒዝናዮ እምበኣር ዋላ ውሑዳት ሰማዕቲ ይሃልዉ ናይ ዓወት ስምዒት ከምጽኣልና ኢዩ ። ነቲ መልእኽቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ሒዝና ኣብ ገዝኦም ምብጻሕና ንርእሱ ምስክርነት ኢዩ ። — ህዝ. 2 : 4, 5
4 ኣመለኻኽታና ኣወንታዊ ክኸውን ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና ። እቲ እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ዓለምለኻዊ ስራሕን ምቕራብ ናይ ዓቢ ጸበባ ዘረጋግጽ እናበዝሐ ዝኸይድ ዘሎ መርትዖታትን ኵልና ብዝከኣለና መጠን ብኣምላኻዊ ተወፋይነት ክንዓዪ ከለዓዕለና ኣለዎ ። (2 ጴጥ. 3 : 11, 14) ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብቕንኢ ምዕያይና ነቲ እተመሃርናዮ ሞሳና እነርእየሉ እቲ ዝበለጸ መገዲ ኢዩ ። ነቶም ምሳና ዝሓብሩ ዘለዉ ሓደስቲውን ነቲ እተማህርዎ ክጥቀምሉን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ከንጸባርቑን ንደሊ ኢና ። ገለ ካብቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እንገብረሎም : ዘይተጠመቑ አስፋሕቲ ኣብ ምዃን እንተድኣ በጺሖም ኣገልግሎት ንኽጅምሩ ወርሒ ነሓሰ እቲ ዝበለጸ ግዜ ኢዩ ።
5 ከም ተራ ኣስፋሕቲ ወይ ከም ፓይነራት ኴንና ነገልግል ብዘየገድስ እቲ የሆዋ ካባና ዝሓቶ ከቢድ ኣይኮነን ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ ኣእምሮና እንተድኣ ሒዝና ክሕግዘና ኢዩ ። (1 ዮሃ . 5 : 3) ከዐንግለና ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ ። (እብ. 13 : 5ሀ, 6) ህዝባዊ ዘይተገዳስነት : ጽልኢ ወይ ድማ ተቓውሞ እኳ እንተ ሃለዉ ኣወንታውያን ክንከውንን ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ድማ ከየቋረጽና ክንሰብኽን ኣሎና ። — 1 ጢሞ. 2 : 3, 4