ምልክታታት
◼ እንጥቀመሎም ጽሑፋት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ:- ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ጥሪ:- እታ ጉባኤ ኣብ መኻዚኖ ዘለዋ ቅድሚ 1982 እሓትመ ዝኾነ 192–ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ። እተን ናይ ቀደም መጽሓፍቲ ኣብ መኻዚኖ ዘይብለን ጉባኤታት ነቲ ዓቢ መምህር ምስማዕ (ብኣምሓርኛ)፣ ከምኡውን ብሮሹራት ክዕደል ይከኣል ኢዩ። ለካቲት:- ንዘለኣለም ምንባር (ኣምሓርኛ ወይ እንግሊዝኛ) ኪዕደል ኢዩ። ምዕዳል ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ብተመላሊሰካ ምብጻሕ ክሰዓብ ኣለዎ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅመር ጻዕሪ ኪግበር ኣለዎ። መተሓሳሰቢ:- እተን ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ወፈራ ጽሑፋት ዘይሓተታ ጉባኤታት ኣብቲ ናይ ዝመጽእ ወርሓዊ ቅጥዒ መሕተቲ ጽሑፋት (S-14) ክሓታ ኣለወን።
◼ ግምታዊ ዕለታት ንናይ 1995 “ሕጉሳት ኣመስገንቲ” ኣውራጃዊ ኣኼባ— ኣዋሳ:- 15–17 መስከረም፣ ኣዲስ ኣበባ:- 22–24 መስከረምን 6–8 ጥቅምትን።
◼ እቲ ናይ ጉባኤ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ነቲ ናይታ ጉባኤ ሕሳብ ኣብ 1 ታሕሳስ ወይ ብድሕሪኡ ቀልጢፉ ጸብጻብ ክገብር ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይነገራ።
◼ ዝኽሪ ናይ 1995 ዓርቢ 14 ሚያዝያ: ናይ 1996 ከኣ ሰሉስ 2 ሚያዝያ ድሕሪ ጸሓይ ምዕራባ ኪኸውን ኢዩ። እዚ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ምብዓል ዝኽሪ ናይ 1996 ንኣሕዋት ዝዋሃብ ዘሎ ምልክታ: ብዙሓት ጉባኤታት ሓደ መንግስቲ ኣደራሽ ዝጥቀማ ምስ ዝህልዋን ካልእ መሳለጥያ ክረኽባ እንተድኣ ኮይነን ኣድላይ ምዝገባ ወይ ውዕል ንኽገብሩ ኢዩ።
◼ ምስታ ናይ 1 መስከረም 1994 ሕታም: ናይ ካሴት ቅዳሕ ናይቲ ብጣልያንኛ ኣብ ወርሒ ክልተ ግዜ ዝወጽእ ግምቢ ዘብዐኛ ተቐሪቡ ኣሎ። ርግጽ ኢዩ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ካሴት ብእንግሊዝኛን ፈረንሳይኛን ምቕራብ ክቕጽል ኢዩ።
◼ ጉባኤታት ኣብቲ ናይ ታሕሳስ መሕተቲ ጽሑፋተን ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ናይ 1994 ጥሙር ጥራዝ ክሓታ ክጅምራ ኣለወን። ነዞም ትእዛዛት እዚኣቶም ኣብቲ ናይ “ዉንዙፍ” ዝርዝር ክንገብሮ ኢና: ኣብዚ ምስ መጹና ድማ ብኡንብኡ ክንልእከልኩም ኢና። ጥሙር ጥራዛት ፍሉይ ትእዛዛት ኢዮም።
◼ እታ ናይ 1 ነሓሰ 1993 ንኹሎም ኣካል ሽማግለታት እተላእከት ናይ ማሕበር ደብዳበ: ብዛዕባ ሕክምናዊ ህጹጽ ኵነታት ዝዛረባ ክልተ እታዋት: ኣብ ናይ ሕዳር 1990 ከምኡውን መስከረም 1992 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ዝርከባ: ንነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ጥሙቕ ክወሃባ ኣለወን ዝብል መምርሒ ትህብ። ሽማግለታት ነዚ መምርሒ እዚ ክኽተልዎ ኣለዎም። ኣድላዪ እንተድኣ ኮይኑ ምብዛሕ ኪግበር ይከኣል ኢዩ።
◼ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ዘለዋ ጉባኤታት ወይ ጉጅለታት ጽሑፋት ብዝቐልጠፈ ዝበጽሓሉ መገዲ ንምርካብ: እቶም ናይቲ ከባቢ ጽሓፍቲ: ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ከተማኹምን ጽዕነት ዝቕበሉ ስርዓታዊ ናይ ንግዲ መጓዓዝያታታ ክጥይቑ ንሓትት። ንኸምዚኦም ዝበሉ መጓዓዓዝቲ ምእንቲ ክንራኸቦም ከኣ ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣድራሽኦምን ናይ ተሌፎን ቍጽሮምን ክንፈልጦ የድልየና ኢዩ።
◼ ንሓደ ናይ ኣየር መልእኽቲ ምዝገባ ሓድሽ ዋጋ:- ኣምሓርኛ (ግምቢ ዘብዐኛ ጥራይ) ወይ ጣልያንኛ—ኣስፋሒ:- 96.50 ብር፣ ፓይነር 81.00 ብር፣ እንግሊዝኛ ወይ ፈረንሳይኛ—ኣስፋሒ 112.00 ብር፣ ፓይነር 96.50 ብር።
◼ ዘለዉ ሓደስቲ ሕታማት:-
ኣምሓርኛ:- ንምዝርራብ ዝኸውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእስትታት (ንእሽቶ ጽሑፍ)፣ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግበኣካዶ? (ብሮሹር)፣ ናይ ምዉታት መናፍስቲ (ብሮሹር)፣ እዛ ዓለም እዚኣስ ክትቅጽል ድያ? (ትራክት-19)፣ መንፈስ ጭንቀት ንዘለዎም ዝኸውን መጸናንዒ (ትራክት–20)፣ ብናብራ ስድራቤትካ ተሓጐስ (ትራክት-21)፣ ንዓለም ዝገዝኣ ዘሎስ መን ኢዩ? (ትረክት-22)። ኦሮምኛ:- ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምንዎ እትኽእልሉ ምኽንያት (ትራክት-13)፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ኢዮም ዝኣምኑ? (ትረክት-14)፣ ህይወት ኣብታ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም (ትራክት-15)፣ ሞይቶም ንዘለዉ ፍቑራት እንታይ ተስፋ ኣለዎም? (ትራክት-16)።
ኣብ ቀረባ ግዜ ክመጹ እንጽበዮም ሓደስቲ ጽሑፋት:-
ኣምሓርኛ:- ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ፣ ቤት ትምህርትን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን (ብሮሹር: ብፍላይ ንስድራቤትናን ንመማህራን ናይ ደቅናን)። ኦሮምኛ:- ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሓጎሱ! ዎላይትኛ:- ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምንዎ እትኽእልሉ ምኽንያት (ትራክት-13)፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ኢዮም ዝኣምኑ? (ትራክት-14)፣ ህይወት ኣብታ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም (ትራክት-15)፣ ሞይቶም ንዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ተስፋ ኣለዎም? (ትራክት-16)።
◼ ዘለዉ ጽሑፋት:-
እንግሊዝኛ:- 1994 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር። ጣልያንኛ:- ትርጕም ሓዳስ ዓለም ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ፣ ህይወት—ብኸመይ መጺኣ? ብፍልቀትዶ ወይስ ብፍጥረት? (ንእሽቶ)፣ ወድሰብ ኣብ ምድላይ ኣምላኽ፣ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን—ተግባራዊ መልስታትን፣ ካብ ጽሑፋት ምምርማር፣ ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!፣ ንየሆዋ ውዳሴ ምዝማር (ንእሽቶ)፣ መጽሓፍ ቅዱስ—ቃል ኣምላኽዶ ወይስ ናይ ሰብ?፣ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ፣ ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ፣ ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን—ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል?፣ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ (ንእሽቶ)፣ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ?፣ ደም ንህይወትካ ብኸመይ ከድሕኖ ይኽእል?፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቢሮም ኣብ ብዘላ ዓለም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ፣ “እንሆ! ንኹሉ አሐድሶ ኣለኹ”፣ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ?፣ ናይ ምዉታት መናፍስቲ—ክሕግዙኻ ድዮም ዝኽእሉ ወይስ ክጎድኡኻ? ብሓቂዶኸ ኣለዉ ኢዮም?፣ እቲ ንዘለኣለም ዝነብር መለኮታዊ ስም፣ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ? ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል?
◼ ኣብ ቀረባ ክመጹ እንጽበዮም ጽሑፋት:-
ዓረብኛ:- ወድሰብ ኣብ ምድላይ ኣምላኽ፣ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ፣ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ? እንግሊዝኛ:- ትርጕም ሓዳስ ዓለም ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት፣ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት—ምስ መጣቐሲ (ብገዚፍ እተጻሕፈ)፣ “ኵሉ ጽሑፋት መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን ኢዩ”፣ ሓጐስ—ብኸመይ ከም እትረኽባ፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣውጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ (ኣብ ጥሪ 1994 ወጺኣ)፣ ወድሰብ ኣብ ምድላይ ኣምላኽ፣ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና፣ ውሕስነት ዘለዎ መጻኢ—ብኸመይ ምረኸብካዮ (ንእሽቶ ጽሑፍ)፣ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደሰዶ ኢዩ?፣ ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሓጐሱ!፣ ደም ንህይወትካ ብኸመይ ከድሕኖ ይኽእል?፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መበል ዕስራ ዘመን (ብሮሹር)፣ ከተንብብን ክትጽሕፍን ተማሃር፣ ሽግራትና—ክንፈትሖም መን ክሕገዘና ኢዩ? (ብሮሹር ንሂንዱ)፣ ብሰላሴ ክትኣምን ይግበኣካዶ?፣ ናይ ምዉታት መናፍስቲ—ክሕግዙኻ ድዮም ዝኽእሉ ወይስ ክጎድኡኻ? ብሓቂዶኸ ኣለዉ ኢዮም?፣ እቲ ንዘለአለም ዝነብር መለኮታዊ ስም፣ እታ ገነት እተምጽእ መንግስቲ፣ ህይወት ካብዚ ንላዕሊ ኢያ! (ንእሽቶ መጽሓፍ)፣ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ? (ጥሪ 1994 ዝወጸ ብሮሹር)፣ ውግእ ዘይብላ ዓለም ክትህሉ ደኾን ትኸውን? (ብሮሹር ንኣይሁዳውያን)፣ ጥራዛት ግምቢ ዘብዐኛ (1960: 1961: 1963: 1964)፣ 1995 ዓውደ–ኣዋርሕ።
◼ ኣብ ቀረባ ክመጹ እንጽበዮም ካሴታት:-
እንግሊዝኛ:- ኣልቡም ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት—ጥራዝ 2: ቀዳማይ ሳሙኤል ክሳዕ መዝሙር፣ እተመልኡ ናይ ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ናይ ካሴት ድራማ:- ካብ የሆዋ ብምርሓቕ እምነት ከይተጥፍእ ተጠንቀቕ፣ ነቶም ስሙ ዝጽውዑ የሆዋ የድሕኖም ኢዩ፣ ናይ የሆዋ ፍርዲ ኣንጻር እቶም ሕጊ ዘፍርሱ ሰባት፣ ስም የሆዋ ኣብ ኵላ ምድሪ ኪእወጅ፣ ኣብ ግዜ ጥሜት ህይወት ምዕቃብ።
◼ ኣብ ቀረባ ክመጹ እንጽበዮም ቪድዮ ካሴታት:-
እንግሊዝኛ:- ፐርፕል ትሪያንግልስ (ፓል)፣ ብድሕሪ እቲ ስም ዘላ ማሕበር (ፓል)።