ከመይ ዝበሉ ሰባት ክትኰኑ ኢዩ ዝግብኣኩም፧
1 እታ ግዜ ምጽብጻብ ናብ ኵሎም ደቂ ሰብ እናቐረበት ትኸይድ ኣላ። መጽሓፍ ቅዱስ “መዓልቲ [የሆዋ ትሓዓ ]” ኢሉ ይጽውዓ። ኣብ ልዕሊ እኩያት መለኮታዊ ፍርዲ ዝፍጸመላ ግዜ ኢያ፣ ከምኡውን ነቶም ጻድቃን ግዜ ድሕነት ኢያ። ሽዑ ብህይወት ዝጸንሑ ኵሎም ሰባት ናብራኦም ብኸመይ ከም እተጠቕምሉ ጸብጻብ ከቕርቡ ኢዮም። ነዚ ኣብ ኣእምሮ ብምሓዝ: ጴጥሮስ ዘተሓሳስብ ሕቶ የልዕል:- “ከመይ ዝበሉ [ሰባት ትሓዓ ] ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም”፧ ንሱ ኣገዳስነት ናይ ‘ቅዱስ ንብረት: [ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዘለዎ ተግባራት ትሓዓ ]: ምቅልጣፍ’ መዓልቲ የሆዋ ከምኡውን ኣድላይነት ናይ “ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም” ምንባር ኣጋኒኑ ኣሎ።—2 ጴጥ. 3:11-14
2 ቅዱስ ንብረት ከምኡውን ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዘለዎ ተግባራት:- ቅዱስ ንብረት ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክብሪ ዘርኢ ኣብነታዊ ዕዮታት የጠቓልል። (ቲቶ. 2:7, 8) ሓደ ክርስትያን ብስሱዕን ስጋዊ ባህግታትን እተለዓዓለ ዓለማዊ ጠባይ ከወግድ ኣለዎ።—ሮሜ 13:11, 14
3 “ኣምላኻዊ ተወፋይነት ካብቲ ብዓሚቝ ሞሳ ናይቲ ዝስሕብ ባህርያቱ እተለዓዓለ ልቢ ዝመጽእ: ምስ ኣምላኽ ዝህሉ ብሕታዊ ዝምድና ኢዩ” ተባሂሉ ይግለጽ። ኣብቲ ኣገልግሎት ዘሎና ቅንኢ ነዚ ባህሪ እዚ ከም እነንጸባርቕ እነርእየሉ ቀንዲ መገዲ ኢዩ። ስብከትና ካብ ናይ ግዴታ ስምዒት ንላዕሊ ኢዩ፣ ንየሆዋ ካብ ዘሎና ሱር ዝሰደደ ፍቕሪ ኢዩ ዝምንጭ። (ማር. 12:29, 30) ብኸምዚ ዝዓይነቱ ፍቕሪ ብምልዕዓል: ኣገልግሎትና ትርጕም ዘለዎ መግለጺ ናይ ኣምላኻዊ ተወፋይነትና ከም ዝዀነ ገይርና ንርእዮ። ተወፋይነትና ቀጻሊ ክኸውን ስለ ዝግብኦ: ኣብ ናይ ስብከት ዕዮ ዘሎና እጃም ዘየቋርጽ ክኸውን ኣለዎ። ዘይንጸል ክፍሊ ናይቲ ሰሙናዊ ናይ ንጥፈታትና መደብ ክኸውን ኣለዎ።—እብ. 13:15
4 ንመዓልቲ የሆዋ ‘ምቅልጣፍ’ ማለት: ናብቲ ትርጕም ዘይብሉ ሕሉፍ ታሪኽ ንድሕሪት ከይገደፍና: ኣብ መዓልታዊ ኣተሓሳስባና ቀዳማይ ቦታ ምሃባ ማለት ኢዩ። እዚ ንጥቕምታት እታ መንግስቲ ኣብ ናብራና ቀዳምነት ምሃብ ማለት ኢዩ።—ማቴ. 6:33
5 ብዘይ ነውሪ: ብዘይ መንቅብ ከምኡውን ብሰላም:- ከም ክፍሊ ናይቲ ዓቢ ጭፍራ መጠን ‘ንኽዳውንትና ብደም እቲ ገንሸል ሓጺብና ኣጻዕዲና’ ኢና። (ራእ. 7:14) “ብዘይ መንቅብ” ምዃን ማለት እምበኣር: ነቲ ንጹህን ውፉይን ናብራና ካብ ዓለም ብዝመጽእ ብርኽሰት ከይበላሾ: ጸኒዕካ ምሕላዉ ማለት ኢዩ። እቲ ኣምላኻዊ ዘይኰነ ዓለማዊ ጕያ ነቲ ክርስትያናዊ ባሀርይና ክጽይቖ ብዘይ ምፍቃድና: ንገዛእ ርስስና “ብዘይ ነውሪ” ንገብራ። (ያእ. 1:27፣ 1 ዮሃ. 2:15-17) ኣብ ኵሉ እቲ ምስ ካልኦት እንገብሮ ምምልላስና ነቲ “ሰላም ኣምላኽ” ብምንጽብራቕና: “ብሰላም” ንነብር ምህላውና ነርኢ ኢና።—ፊል. 4:7፣ ሮሜ 12:18፣ 14:19
6 ንዓለማዊ ብከላ ብዓወት እንተድኣ ተኸላኺልናዮ: ነዛ ብየሆዋ እተዀነነት ‘ዓለም ኣይክንመስላን’ ኢና። ኣብ ክንድኡስ: እቲ ጽቡቕ ዕዮና ካልኦት ነቲ “ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ [ዘገልግሎን ዘየገልግሎን ትሓዓ ]” ዘሎ ፍልልይ ንምርኣይ ክሕግዞም ኢዩ። (ሮሜ 12:2፣ ሚል. 3:18) እቲ ቅንኢ ዘለዎ ስብከትና እውን ከምኡ ኢዩ። ብዙሓት ሓደስቲ ምሳና ክካፈሉ ብቑዓት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክካፈሉ ብምሕጋዞም ንበረኸት ክንከውን ንኽእል ኢና።
7 ካብ ልቢ ‘ሰናይ ግብሪ’ እንተድኣ ዓቂብና ስም የሆዋ ይምጐስ: እታ ጉባኤ ትድልድል: ከምኡውን ካልኦት ይጥቀሙ። (1 ጴጥ. 2:12) ኵሉ ግዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ይግበረና።