‘ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኸመይ ክትምልስ ከም ዘሎካ ፍለጥ’
1 ብሰብ ቤት ዝመጹ ገለ ሕቶታት ወይ ተቓውሞታት ንጥበብና: ብልሓትና: ናይ ኣመሃህራና ከምኡውን ናይ ምእማን ክእለትና ብሓደ ግዜ ይፍትንዎ ኢዮም። ንኣብነት: ሓደ በዓል ቤት ብናይ ጥርጣረ ድምጺ ገይሩ “እዚኣ ኣየነይቲ ሃይማኖት ኢያ፧” ኢሉ እንተ ዝሓትት እንታይ ኢልካ ምመለስካሉ፧
2 ኣብ ግምት ክኣትዉ ዘለዎም ብዙሓት ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣለዉ። ቀዳማይ ሰማዕትኻ እቲ ኣገዳሲ ሓበሬታ ምእንቲ ከይጐድሎም: ‘ብርሃንና ይብራህ’ (ማቴ. 5:14-16) ዝብል ኢዩ። ከምኡውን ምስቲ ኣብ ኤፌሶን 4:25 ዘሎ ቃላት ብምስምማዕ ነቲ ሓቂ ምስ ጐረባብትና ክንዛረብ የድልየና። እዚ በቲ የሆዋ ንዓና ክህበና ዘወፈዮ ጥበብ ክግበር ኣለዎ። (ሉቃ. 21:15) ከም ሃዋርያ ጳውሎስ: ብዛዕባ እቲ ዘደንቕ መልእኽትና ከእምን ብዝኽእል ብምዝራብና ጽቡቕ ንገብር። (ግብ. 28:23) ብልሓት ንኻልኦት ብዘይ ምስትውዓል ከይንጐድኦም ስለ ዝሕግዘና: እዚ ምስ ብልሓተኛ ምዃን እተተሓሓዘ ኢዩ።
3 ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ): መጽናዕቲ 14: ኣብ ትሕቲ “ብልሓተኛ ግን ጽኑዕ” ዝብል ኣርእስቲ ናይ ሚዛን መገድታት የርእየና። ብልሓት መርትዖታት ምጥዋይ ወይ ንሓቂ ምልምማጥ ከም ዘይኰነ ይጠቅስ። ሓድሓደ ግዜ ገለ ርእይቶታት ገዲፍካ ኣብ ካልእ ኣወንታዊ ምስክርነት ዝህብ ነገር ምትኳር ጥበባዊ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 331 ጽቡቕ ኣብነታት ኣሎ። ንሓደ ሰብ በቲ ግልጽነቱ: ቅንዕንኡ ወይ ሰፊሕ ኣረኣእያኡ ከነድንቖ ንኽእል ኢና። ግን እቲ ሰብ በቲ ካብ ባቢሎንን ካብ ሰይጣንን ዝመነጨ ናቱ መገዲ ብምምላኹስ ብሓቂ ጽቡቕ ኢዩ ክንብል ንኽእልዶ፧ ኣይንብልን ኢና።
4 ስለዚ ሓደ ሰብ ሃይማኖቱ ፈጺሙ ከም ዘይልውጥ ምስ ዝዛረብ: ምልዋጥ ኣየድልየካን ኢዩ ብምባል ኣንጻር እቲ ዝበለጸ ፍልጠት ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ኣብ ራእይ 18:4 ዘሎ ጥቕሲ: ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሓሶት ሃይማኖት ዝጸንሕ ሰብ ካብቲ ናይ ባቢሎን መዓት ከም ዝካፈል ግልጺ ይገብሮ ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ሓደ ውልቀ-ሰብ ክገብሮ ዘለዎ ውሳኔ ከም ዝዀነ ከምኡውን ንዋላ ሓደ ክንግድድ ከም ዘይንፍትን ብቕንዕና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ግናኸ ነፍሲ ወከፍ ምስትውዓል ዘለዎ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳኔ ምእንቲ ክገብር: ናይ ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ክንምልስን ንሰባት ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ከምኡውን ዘደንቕ ዕላማ ኣምላኽ ናይ ዝሓሸ መጻኢ ምሉእ ብምሉእ ክንሕብሮምን ኢና እንደሊ።
5 ብተመሳሳሊ: እቲ በዓል ገዛ ሃይማኖትና ኣየነይቲ ምዃና ክፈልጥ ዝደሊ እንተድኣ ኰይኑ: ብርሃንና ክበርህ ክንገድፎ ኢና። ምናልባት ብርቱዕ ናዕቢ ምስ ዘጋጥም ብጸሎት ተጠንቂቕና መልሲ ክንህብ እንውስነሉ ውሑድ ኣጋጣሚ ይህሉ ይኸውን (ማቴ. 10:16): ይኹን እምበር ብሓፈሻ ከምቲ ናይቶም መሰኻኽር ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ: የሆዋ: ዝነበሩ የሱስን ሃዋርያትን ዓይነት ሃይማኖት ከም ዘሎና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ኣብ ካልእ በዳሂ ዝዀነ ኵነታትውን በቲ ምስ ምምስካር: ሓቅነት ከምኡውን ጥበብ እተተሓሓዘ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ክንምራሕ ንኽእል ኢና።