ኣውራጃዊ ዓቢ ኣኼባ ዘለዓዕል ዕድመ የቃልሕ!
ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ንየሆዋ ብሓጐስ ወድሶ!
1 ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሀየኸ: መን እዩ ንውግእ ዚስለፍ፧” ኢሉ ሓተተ። (1 ቈረ. 14:8) እቲ ኣብ “ሕጕሳት ወደስቲ” ኣውራጃዊ ዓቢ ኣኼባ እተገብረ ዕድመ ዓው ዝበለን ንጹርንዶ ኢዩ ነይሩ፧ እወ: ብርግጽ። እቲ ዘለዓዕል መልእኽቲ ‘ብሕጕስ ልብን መዓልታውን ንየሆዋ ወድስዎ’ ዝብል ኢዩ ነይሩ! በዚ ዕድመ እዚ ልብኻ ንዕዮ ተለዓዒሉዶ ኢዩ፧ እቲ መደብ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ነቲ ንጉስ ዘለኣለም: የሆዋ: ብቐጻሊ ክንውድሶ ሓያል ምኽንያታት ብብዝሒ ኣቕሪቡልና ኢዩ።—መዝ. 35:27, 28
2 እቲ ኣዝዩ ዘደንቕ ሰማያት “ሓንቲ መዓልቲ [ድሕሪ እታ ሓንቲ መዓልቲ ትሓዓ ]” ክብሪ የሆዋ ይእውጅ። (መዝ. 19:1-3) እቶም ድምጽን ህይወትን ዘይብሎም ፍጥረታት ብቐጻሊ ንየሆዋ ዝውድሱ ካብ ኰኑኸ: ንሕና መስተውዓልቲ ሰባት ስለቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ባህሪኡን ዕዮታቱን ኵሉ ግዜ ንዕኡ ንምውዳስ ድምጽና ክብ ንምባል ክንለዓዓልዶ ኣይግብኣናን፧ ካብቲ ድንቂ ዝዀነ ፈጣሪና ንላዕሊ ክውደስ ዝግብኦ እሞ መን ኢዩ፧—መዝ. 145:3, 7
3 ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ:- እቲ ብመንፈስ ዝመልአ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ ኣበስሩ። [የሆዋ ትሓዓ ] ዓብዪ: ምስጋናኡ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ።” (መዝ. 96:2, 4) እዚ ንፓይነራት ጥራይ ድዩ ዝምልከት፧ ኣይኰነን! እዝስ ኣብ እንኽእለሉ ዝዀነ ቦታን ግዜን: አረ ኣብቲ ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎት ኣብ ዘይተጸመድናሉ እዋን እውን ከይተረፈ ብዛዕባ የሆዋ ንኻልኦት ክንዛረብ ኣሎና ማለት ድዩ፧ እወ! ንየሆዋ መዓልታዊ ምውዳስን እቲ ናይ ድሕነት መገዱ ንኻልኦት ናይ ምንጋርን ኣድላይነት ህጹጽ ኢዩ። ሰባት: የሆዋ እቲ ዘለኣለማዊ ንጉስ ምዃኑ ከምኡውን ነቲ ዝኸበረ ወዱ የሱስ ክርስቶስ: ናይ ዓለም ግዝኣት ከም ዝሃቦ ክፈልጡ ኣለዎም። ንየሆዋን ንሰባትን ዘሎና ፍቕሪ ኣብቲ ሰባት ክርከብሉ ዝኽእሉ ቦታ ብዛዕባ እዚ መልእኽቲ እዝን ንድሕነት ዝገበሮ ምድላውን ከም እንዛረብ ክገብረና ኢዩ።—መዝ. 71:15
4 የሱስ ክርስቶስ ናይ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ: ናይ የሆዋ ግሁድ ወዳሲ ብምዃን እቲ ዝበለጸ ኣብነት ሰሪዑ ኣሎ። ከምዚ በለ:- “ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን . . . [ብግልጺ እውድሰካ ትሓዓ ] አሎኹ።” (ማቴ. 11:25) ኣብ ዝነበረ ይንበር የሱስ ምስቲ ዝበሎ ብምስምማዕ: ብግልጺ ንየሆዋ ወዲስዎ ኢዩ። ከምኡውን ህዝቢ ኣብ እተኣከብሉ—ኣብ ቤት ጸሎት ይኹን: ኣብ ቤተ-መቕደስ የሩሳሌም: ኣብ ልዕሊ ከረን: ወይ ኣብ ገምገም ባሕሪ—ኣብ ዝዀነ ቦታ ንየሆዋ ወዲስዎ ኢዩ። ንየሆዋ ብግልጺ ብምኽባር ኣብ መዓልታውን ቀጻልን ንጥፈታት ብምስታፍ ኣስኣሰር የሱስ እንተድኣ ስዒብና ዘሐጕስን ደስ ዘብልን ውጽኢት ከነስተማቕር ኢና።
5 ነቲ ዕድመ ምቕባሉ:- ንየሆዋ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብግልጺ ንምውዳስ ዝቐረበ ዕድመ ክትቅበሎ ዲኻ፧ ዕድመ ዕንቅፋት ከም ዘይኰነ ዘክር። መዝሙር 148:12 መንእሰያት: ደናግል: ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኡት: ከምኡውን ኣወዳት ንየሆዋ ክውድስዎ ትዕድም። መንእሰያት: ኣብዚ ሓድሽ ናይ ትምህርቲ ዓመት ኣብ ማእከል መማህርትኹምን መማህራንኩምን ንየሆዋ ክትውድስዎ ዲኹም፧ ዓበይቲ: እቶም ኣብቲ እትሰርሕሉ ቦታ ምሳኻትኩም ዝሰርሑ ዘለዉ ሰባት ኣብቲ ብሓባር ናይ ምዝራብ ኣጋጣሚ እተረኽበሉ እዋን ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ይሰምዑዶ ኣለዉ፧ ኵልና ከምቲ ምስትንፋስን ምብላዕን ክፍሊ ህይወትና ዝዀነ ብዛዕባ የሆዋ ምዝራብ ዝምልከት እውን ከምኡ ክንገብር ኣሎና። ሽሕ’ኳ ተገዳስነት ዘይብሎም ሰባት ነቲ እንዛረቦ ኣቓልቦ ዘይገብርሉ እንተዀኑ: ሓደ ዝሰምዕሲ ኣሎ: ንሱ ድማ ክባርኸና ኢዩ።—ሚል. 3:16
6 መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ እናቐረበ ብዝመጸ መጠን: እቲ ዕድመ ክሳዕ መወዳእታ ናይ ምድሪ ኢዩ ዝኸይድ:- “ኣቱም ህዝቢ: ንያህ ወድስዎ!” (መዝ. 106:1 ትሓዓ ) ኵሎም ሰባት እቲ የሆዋ ዝስሙ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀነ ምእንቲ ክፈልጡ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ እትሓልፍ መዓልቲ እቲ ናይ ውዳሴ ድምጽና እናዓበየ ዝኸይድ ይግበሮ።—መዝ. 83:18