ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/97 ገጽ 3-4
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 6/97 ገጽ 3-4

ሕቶ ሳጹን

◼ ሎሚ ክርስትያናት ንግዝረት ከምኡውን ብባህሊ ነውሪ ኢዮም ንዝበሃሉ ተግባራት ብኸመይ ክርእይዎም ኣለዎም፧

ግዝረት ደቂ ተባዕትዮ: ናይቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዝነበሩ ምስ ኣምላኽ ኪዳን ዝኣተዉ ህዝቢ “ምልክት” ነበረ: ሓደ ካብቲ ክርስትያናት ክገብርዎ ዝድለ “እተገብኤ” ነገር ግን ኣይኰነን። (ዘፍ. 17:⁠11፣ ግብ. 15:⁠1, 2, 28, 29፣ ገላ. 5:⁠6) ስለዚ እምበኣር ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግዝረት ወይ ዘይግዝረት ዘምጽኦ ብልጫ የብሉን። (1 ቈረ.7:​18⁠-​20) ወለዲ: ወዶም ከግዝሩ ምስ ዝሓስቡ እውን ከይተረፈ: ድራኸታቶም ክምርምሩ ሰናይ ኢዩ። ብዙሓት ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ነዚ ከም ሃይማኖታዊ ግዴታ: ከም ናብ በጽሕነት ዘሰጋግሮ: ንወዲ ኣባል ናይ ቀቢላ ዘቝጽሮ ገይሮም ብምሕሳብ ወይ ድማ ካብ ብሕታዊ ክብሪ ተለዓዒሎም ኢዮም ዝገብርዎ። እቲ ኣዝዩ ዘገድስ ግን: የሱስ ሓቀኛታት ክርስትያናት ‘ካብ ዓለም ክዀኑ’ ከም ዘይብሎም ተዛሪቡ ኢዩ። (ዮሃ. 17:⁠14) ብተወሳኺ: ባህግና ንየሆዋ ክብሪ ንምሃብን ንዕኡ ኣብሊጽና ንምርኣይን ክኸውን ስለ ዘለዎ: ንትዕቢት መገዲ ክንከፍተሉ ኣይንደልን ኢና ከምኡውን ካብ ንሓድሕድና ክብረት ክንቀባበል ኣይንደልን ኢና። (ዮሃ. 5:⁠44) ናይ ጥዕና ረብሓታት ከም ዘለዎ ዝሕብር መጽናዕትታት ስለ ዘሎ: ኣብ ገለ ሃገራት ብምኽንያት ጥዕና ንወዲ ተባዕታይ ምግዛር ልሙድ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጥቕሚ ክርከብ እንተድኣ ተደልዩ: ምግዛር ገና ቀሊል ኣብ ዝዀነሉ: ነቲ ወዲ ተባዕታይ ቈልዓ ውልድ ምስ በለ ሒደት መዓልትታት ጸኒሕካ ክግዘር ከም ዘለዎ ዝገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ምስዓቡ እቲ ዝበለጸ ከም ዝኸውን ፍሉጥ ኢዩ።​—⁠ዘሌ. 12:⁠3

ንደቂ ኣንስትዮ ምግዛር ግን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተጠቕሰን: ከምኡውን እሙናት ህዝቢ ኣምላኽ ነዚ ልምዲ እዚ የዘውትርዎ ከም ዝነበሩ ዝሕብር ነገር ፈጺሙ የለን። ዓይነትን ብዝሕን ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ዝፈላለ ኢዩ: ኵሉ ግዜ ግን ካብ ክፍሊ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ምቝራጽ ዘጣመረ ኢዩ። እተን ከምዚ ብምግባር ኣታዊ ዝረኽባ ዓበይቲ ኣንስቲ ጠቓሚ ምዃኑ ንምግላጽ እተፈላለየ ምኽንያታት ከቕርባ ይፍትና ይዀና። ንጥዕና ጠቓሚ ኢዩ ኢልካ ክትዛረብ ግን ብርግጽ ኣይከኣልን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ መብዛሕትኡ ግዜ: ኣብቲ ብዘይ ገለ ጸገም ክካየድ ዝነበሮ ኣካላዊ ተግባራት ንሓዋሩ ምስቓይ: ዘይምውላድ: ብዙሕ ደም ምፍሳስ ወይ ድማ ሓድሓደ ግዜ ናብ ሞት ዘምርሕ ረኽሲ ዘጠቓለለ ከቢድ ናይ ጥዕና ሽግራት የምጽእ ኢዩ። እተን ብህይወት ዝተረፋ እውን እንተዀና: ልክዕ ከምቲ ሓንቲ መንእሰይ ጓል ገለ ዓመታት ጸኒሓ “ብዛዕብኡ ክሓስብ ከሎኹ: ብውሽጠይ ዝሞትኩ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ” ክትብል ዝገለጸቶ ዓይነት ስምዒት ይህልወን ይኸውን።

እዚ ልምዲ እዚ ዘየድሊ ከምኡውን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ሓደጋታትን ቃንዛን ዘምጽእ ስለ ዝዀነ: ምስ ማህሰይቲ ወይ ስቓይ ክመሳሰል ይከኣል። እዚ ምስቶም ከም ኣብ ፊልጲ 2:⁠4፣ 4:⁠5 ከምኡውን ኣብ ቈሎሴ 3:⁠12 ዝርከቡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ፈጺሙ ዘይሰማማዕ ኢዩ። ብግልጺ ክርአ ከም ዝከኣል እምበኣር: ንደቂ ኣንስትዮ ምግዛር ዘይክርስትያናዊ ልምዲ ኢዩ። እተን ናይ 22 ሰነ 1985 ከምኡውን 8 ሚያዝያ 1993 ናይ እንግሊዝኛ ሕታማት ንቕሑ! ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ሰፊሕ ሓሳባት ሒዘን ኣለዋ።

ብተመሳሳሊ: ገለ ብሄራት ምስ ምውላድ ቈልዓ: ሞት: ማንታ: ጽግያት: ከምኡውን ምስ ካልእ ኵነታት እተተሓሓዙ ነውሪ ኢዮም ዝብልዎም ነገራት ኣለዉ። ገለ ነገር ንኸይትትንክፍ: ከይትበልዕ: ወይ ገለ ነገር ከይትሰቲ: ገለ ነገራት ንኸይትርኢ: ገለ ነገር ንኸይትኽደን: ብገለ ከባቢታት ንኸይትሓልፍ: ወይ ኣብ ገሊኡ እዋናት ገለ ነገር ንኸይትገብር ወዘተ. . . ዝኽልክሉ ሕግታት ኣለዉ። ከምዚ ዝኣመሰሉ ነውሪ ዝበሃሉ ነገራት ክርስትያናት ንኽስዕብዎም ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣይተጻሕፉን: ስለዚ ምስቲ “ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም” ተባሂሉ ዘሎ ወይ ድማ ምስቲ “ብልማድ ሰብ: ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ” ዝመሳሰል ገይርና ክንምድቦ ንኽእል ኢና። (1 ጴጥ. 1:⁠18፣ ቈሎ. 2:⁠8) ሎሚ ክርስትያናት ነቲ ነዚ ዝምልከት ኣብ ገላትያ 4:⁠9⁠-​11 ዘሎ ምኽሪ ጽቡቕ ገይሮም ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ እምበኣር: ሓቀኛታት ክርስትያናት ምስቲ ፍጹም ምኽሪ የሆዋ ዝጋራጮ ነውሪ ኢዩ ዝበሃለሉ ነገራት ብብሕቶም ኣማዕቢሎም እንተ ዀይኖም ወይ ዘይኰይኖም ገዛእ ርእሶም ክሓቱ ጽቡቕ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

(ኣብ ገጽ 4 ይቕጽል)

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ሕቶ ሳጹን (ካብ ገጽ 3 ዝቐጸለ)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ