ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/98 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንጥሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንጥሪ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 1/98 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንጥሪ

5 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 10

8 ደቒቕ:⁠- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት።

20 ደቒቕ:⁠- “ምሉእ ምስክርነት ብምሃብ ሓጐስ ርኸብ።” ነቲ ዓንቀጽ ምስ ሰማዕቲ ተመያየጠሉ። ኣስላጢ ኣቀራርባ ንምድላው ዝሕግዝ ኣድለይቲ ነገራት ኣጕልሕ:- (1) ምሕዝነታዊ ሰላምታ ሃብ፣ (2) ኣገዳሲ ዝዀነ እዋናዊ ኣርእስቲ ዘለዎ ሓሳባት ሃብ: ወይ ድማ ሕቶ ኣልዕል፣ (3) ምስኡ ዝሰማማዕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ጥቕሲ ጥቐስ፣ ከምኡውን (4) ናብቲ ክትዕድሎ ደሊኻ ዘለኻ ጽሑፍ ብቐጥታ ተገዳስነት ከም ዘሕድር ግበር። ሓደ ክኢላ ኣስፋሒ ካብቲ ተዋሂቡ ዘሎ ናይ መእተዊ ኣቀራርባታት ክልተ ንኸርኢ ኣዳሉ።

17 ደቒቕ:⁠- ነቲ ንደም ዝምልከት ሕጊ ኣምላኽ ደገፍካ ንምግላጽ ሕጂ ተዳሎ። ሓደ ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለ ነቲ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ⁠/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ናይ ምምላእ ኣድላይነት ይመያየጠሉ። እቲ ኣብ መዝሙር 19:⁠7 ዘሎ መንፈስ ዝነፈሶ መምርሒ: ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠28, 29 ኣምላኽ ኣብ ደም ፍጹም ሕጊ ከም ዘለዎ ዝሕብር መግለጺ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ። እሙናት ኣምለኽቲ ነቲ ሕጊ እቲ ንኽድግፉ ይጽዕሩ ኢዮም። እዚ ሰነድ እዚ ከምኡ ንምግባር ዘለካ ውሳነ ንጹር ዝገብሮን ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ክትዛረብ ኣብ ዘይትኽእለሉ እዋናት ኣብ ክንዳኻ ኰይኑ ዝዛረብን ኢዩ። (ምስ ምሳሌ 22:⁠3 ኣረኣእዮ።) ሓድሽ ካርድ: ደም ከም ዘይትወስድ እዋናዊ ሓበሬታ ይህብ። ድሕሪ እዚ ኣኼባ እዚ: ነቶም ሓድሽ ካርድ ክህልዎም ዝደልዩ እተጠምቁ ኣስፋሕቲ ሓሓንቲ ክዋሃቦም ኢዩ: እቶም ዘይተጠምቁ ንኣሽቱ ቘልዑ ዘለውዎም ድማ ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ዝኸውን ናይ መንነት ካርድ ክቕበሉ ኢዮም። እዚ ካርድ እዚ ሎሚ ምሸት ክምላእ የብሉን። ብጥንቃቐ ኣብ ገዛ ክምልኡ ኣለዎም: ክፍረመሎም ግን የብሉን። ክታም: ምስክርነት: ከምኡውን ዕለት ናይቲ ካርድታት ድሕሪ እታ ቀጺላ ዘላ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ: ኣብ ትሕቲ ተዓዛብነት ናይቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝመርሕ ኢዩ ክምላእ። እዚ መደብ እዚ ኵሎም እቶም ነዚ ሕክምናዊ መምርሒ እዚ ክትግብሩ ዝደልዩ ኣብ ጕጅለኡ ተመዲቦም ዘለዉ ዘድሊ ሓገዝ ምርካቦም ዘረጋግጽ ኢዩ። እቶም ከም መሰኻኽር ኰይኖም ዝፍርሙ እቲ ወናኒ ናይቲ ሰነድ ምፍራሙን ዘይምፍራሙን ከረጋግጹ ኣለዎም። ነቲ ካርድ ክመልእን ክፍርምን ዝደሊ ኣብዚ እዋን እዚ ዘይተረኽበ ዝዀነ ይኹን ሓው: ኣብታ ቀጺላ ዘላ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንኽመልእ በቶም ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ መራሕቲ/ሽማግለታት ክሕገዝ ኢዩ: እዚ ድማ ኵሎም ጥሙቓት ኣስፋሕቲ ካርድታቶም ብዝግባእ ክሳዕ ዝመልእዎ ይቐጽል። (ናይ 15 ጥቅምቲ 1991 ደብዳበ ርኣዮ።) ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ካብዚ ካርድ እዚ ሓሳባት ብምውሳድ ምስ ናይ ገዛእ ርእሶም ኵነታትን ምርዳእን ብምስምማዕ: ንገዛእ ርእሶምን ደቆምን ዝኸውን መምርሒ ክጽሕፉ ይኽእሉ ኢዮም።

መዝሙር 142ን መዕጸዊ ጸሎትን

12 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 125

10 ደቒቕ:⁠- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

15 ደቒቕ:⁠- “ነቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ብጽቡቕ ተጠቐመሉ።” ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 13 ቍጽሪ 15 ዘሎ ተመክሮ ወስኸሉ።

20 ደቒቕ:⁠- “የሆዋ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ይህብ።” ሕቶን መልስን። (w90 15/7 19, ቍጽሪ 15-16 [እንግሊዝኛ] ርአ።) ገለ ኣስፋሕቲ የሆዋ ከመይ ገይሩ ከም ዘሐየሎም ዝገልጽ ዘተባብዕ ተመክሮታት ንኽነግሩ ኣዳሉ።

መዝሙር 81ን መዕጸዊ ጸሎትን

19 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 1

10 ደቒቕ:⁠- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ቲኦክራሲያዊ ዜና።

15 ደቒቕ:⁠- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

20 ደቒቕ:⁠- ሓጐስ ዘምጽእ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ። ሰብኣይን ሰበይትን ንስድራቤቶም ዘድሊ መንፈሳዊ ነገራት ይመያየጡ። እቲ ንደቆም ብኣሉታዊ መገዲ ዝትንክፎም ዓለማዊ ጸቕጥታት ስለ ዘሻቐሎም: ንመንፈሳውነት ደቆም ከሐይሉ ከም ዘለዎም ይስምዖም: ይኹን እምበር ናይ ስድራቤቶም መጽናዕቲ ሓሓሊፉ ከም ዝግበርን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣስላጢ ከም ዘይኰነን ኣፍልጦ ይህቡሉ። ነቲ ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 26-9 ዘሎ ትርጕም ዘለዎ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ብኸመይ ክምራሕ ከም ዝከኣል እተዋህበ ምኽርታት ብሓንሳብ ኰይኖም ይዘራረብሉ። ክልቲኦም ንመንፈሳዊ ድሕንነት ደቆም ንምሕላው ብዝያዳ ክከታተልዎም ይውስኑ።

መዝሙር 146ን መዕጸዊ ጸሎትን

26 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 187

12 ደቒቕ:⁠- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣብ ለካቲት ዝዕደል ጽሑፍ ግለጽ። ክንዕድላ ኸለና ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ሓደ ወይ ክልተ ነጥብታት ካብ መጽሓፍ ራእይ ፍጻሜኡ (እንግሊዝኛ) ጥቐስ።

15 ደቒቕ:⁠- “ነቲ ናይ የሆዋ ቦታ ኣምልኾ ኣኽብሮ።” ብሕቶን መልስን። ብሓደ ብሕያውነት ምስታ ጉባኤ ኣሰማሚዑ ከቕርብ ዝኽእል ሽማግለ ዝዋሃብ።

18 ደቒቕ:⁠- ነቲ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ናይ ምስክርነት ዕዮ ዝገበርናዮ ግደ ጸብጻብ ምሃብ። (ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና ገጽ 100-2, 106-10 [እንግሊዝኛ] እተመርኰሰ።) በቲ ጸሓፊ ዝዋሃብ ምይይጥን ዝርርብን። ብዛዕባ ንጥፈታትና ስርዓታዊ ኴንካ ጸብጻብ ምሃብ ዝምልከት ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ምስ ገለጸ: ክልተ ኣገልገልቲ ጉባኤ ነቲ “ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት እንህበሉ ምኽንያት” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ከቕርብዎ ይዓድም። ድሕርዚ እቲ ጸሓፊ ኣቐድም ኣቢልካ ቅኑዕ ዝዀነ ጸብጻባት ናይ ምሃብ ኣድላይነት የጕልሕ: ነቶም መብዛሕትኡ ግዜ ጌጋ ምርዳእ ዝግበረሎም ነጥብታት የብርህ። ብሕታዊ ሸቶታት ምውጻእ ስለምንታይ ጠቓሚ ከም ዝዀነ ይጠቅስ: እቶም ኣብቲ ዕዮ ምስክርነት ምሉእ ተሳታፍነት ዝገብሩ ሰባት ዝረኽብዎም በረኸታት ዝገልጽ ዘተባብዕ ሓሳባት ብምሃብ ከኣ ይድምድም።

መዝሙር 189ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ