ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥሪ:- ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ክህሉ ዝኽእል ቅድሚ 1985 እተሓትመ 192 ገጽ ዘለዎ ዝዀነ መጽሓፍ። እተን ከምዚ ዝኣመሰለ መጻሕፍቲ ዘይብለን ጉባኤታት ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትበሃል መጽሓፍ ክዕድላ ይኽእላ ኢየን። ኣምሓርኛ:- ንእስነትካ ከምኡውን/ወይ ከኣ ናብራ ስድራቤት ። ለካቲት:- ራእይ —እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! (እንግሊዝኛ)። ኣምሓርኛ:- ንእስነትካ ከምኡውን/ወይ ከኣ ናብራ ስድራቤት ። መጋቢት:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ምጅማር ኣድህብ። ሚያዝያ:- ንጽል ቅዳሓት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ!
◼ ኵሎም እቶም ኣብታ 5 ጥሪ እትጅምር ሰሙን ዘሎ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ዝካፈሉ እተጠመቑ ኣስፋሕቲ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድን ንደቆም ዝኸውን ናይ መንነት ካርድን ክዋሃቦም ኢዩ።
◼ ካብ ለካቲት ጀሚሩ እቲ ብናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ዝዋሃብ ሓድሽ ህዝባዊ ዝርርብ “ብዛዕባ ህይወት ኣምላኻዊ ኣረኣእያዶ ኣሎካ፧” ዝብል ክኸውን ኢዩ።
◼ እቲ ሰንበት 29 መጋቢት 1998 ዝዋሃብ ፍሉይ ዝርርብ “ስለምንታይ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትውከሎ ከም እትኽእል” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ክኸውን ኢዩ። እተዋጽአ ጽሑፍ ናብ ኵለን ጉባኤታት ክለኣኽ ኢዩ።
◼ ኣብ ዋጋታት እተገብረ ምትዕርራይ:- ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ -መዓልቲ ምምርማር 1998: ንዅሎም ብር 2.50፣ ሓጐስ ስድራቤት ብኣውድዮ ካሴታት (ኣብ 4 ካሴት እተመልአ):- ንፓይነራት ብር 41.50: ንኣስፋሕቲ 51.50፣ ምልኩዕ ኒው ወርልድ ትራንዝሌሽን (Dbi12):- ንፓይነራት ብር 40.00: ንናይ ጉባኤ ኣስፋሕቲ ብር 50.00፣ ኣብ ጁባ ክተሓዝ ዝከኣል ኒው ወርልድ ትራንዝሌሽን (Dbi25):- ንፓይነራት ብር 30.00: ንናይ ጉባኤ ኣስፋሕቲ ብር 40.00።
◼ ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ መጋቢት ክሳዕ ግንቦት ኣብ ዝግበር ናይ ፍሉይ ዞባታት ወፈራ ግዝያውያን ፍሉያት ፓይነራት ኰይኖም ክካፈሉ ኣብ ዝኽእልሉ ኵነታት ዘለዉ ስርዓታውያን ፓይነራት: ወይ ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ: እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ኣብ ሕጽር ዝበለ ደብዳበ ብምጽሓፍ ክሳዕ 20 ጥሪ 1998 ክልእኹልና ኣለዎም:- 1) ስም፣ 2) ዕድመ፣ 3) ናይ ጥምቀት ዕለት፣ 4) ኵነታት (ንጽል ዲኻ ወይስ በዓል ሓዳር: ቍጽሪ ናይቶም ካባኻ ዝጽበዩ ሰባት ክንደይ ኢዮም፧)፣ 5) እትጥቀመለን ኣዋርሕ (መጋቢት-ግንቦት፧)፣ 6) እትፈልጦ ቛንቋታት፣ 7) እቲ ኣመልካቲ ኣብቲ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮ ስርዓታዊ ኰይኑ ይካፈል ምዃኑን ዘይምዃኑን። ድሕርዚ እቶም ናይታ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ: ናይቲ ኣመልካቲ ካብ ጥቅምቲ-ታሕሳስ ዘሎ ገምጋም ናይ ኣገልግሎት ሰዓታት ከምኡውን ናታቶም ምሕጽንታን ክታምን ይወስኽሉ።
◼ ኣብ መኽዘን ዝመጹ ሓደሽቲ ብሮሹራት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም:-
ኣምሓርኛ:- ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ፣ ደም ንህይወትካ ከድሕኖ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ እነሆ ! ንዅሉ አሐድሶ ኣለኹ! ፣ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧
እንግሊዝኛ:- ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ
ኦሮምኛ:- ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
ትግርኛ:- ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ዓለም ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ፣ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም፣ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧፣ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧፣ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧፣ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት፣ መባእታዊ ትምህር ትታት መጽሓፍ ቅዱስ (ንናይ ጥምቀት ሕጹያት ዝኸውን ሕቶታት)፣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን (ካብ መጽሓፍ ምምርማር [እንግሊዝኛ] እተወስደ)
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ክመጽእ እንጽበዮ:-
ኣምሓርኛ:- ናይ መዝሙር መጽሓፍ
ዓረብኛ:- ወድሰብ ኣብ ምድላይ ኣምላኽ፣ ሓጐስ ስድራቤት፣ ትሩ ሳብሚሽን፣ መለኮታዊ ስም
ፈረንሳይኛ:- ኒው ወርልድ ትራዝሌሽን
ጣልያንኛ:- ናይ 1997 ዓመት መጽሓፍ
ትግርኛ:- ብምንባር ተሐጎሱ!፣ ትራክትታት ቍ. 14ን 16ን።