ናይ የሆዋ መሰኻኽር —ሓቀኛታት ወንጌላውያን
1 የሱስ ክርስቶስ ነቲ ብስራት መንግስቲ ክሰብኩ ፈልዩ ብምእዛዝ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቱ ዕዮ ወንጌላውነት ክገብሩ ሓላፍነት ሂቡዎም ኢዩ። (ማቴ. 24:14፣ ግብ. 10:42) እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ናይ ኣምልኾ ቦታታት ጥራይ ዘይኰነስ ንሰባት ብግልጺ ክረኽብሉ ኣብ ዝኽእሉ ዝዀነ ይኹን ቦታታትን ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድን ብዛዕባ እታ መንግስቲ ብዘይ ምቍራጽ ብምዝራብ ኣብነት ገዲፎም ኢዮም። (ግብ. 5:42፣ 20:20) ሎሚውን ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን: ነቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ኣብ 232 ሃገራት ብምስባኽን ኣብዘን ናይ መወዳእታ ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ጥራይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ብምጥማቕን ሓቀኛታት ክርስትያን ወንጌላውያን ምዃንና ኣረጋጊጽና ኢና! እቲ ናይ ወንጌላውነት ዕዮና ኣዝዩ ዕዉት ክኸውን ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧
2 እቲ ብስራት የሐጕሰና ኢዩ:- ወንጌላውያን ናይ ብስራት ሰበኽቲ ወይ ድማ ልኡኻት ኢዮም። ስለዚ ኸኣ: ንእተጨነቑ ደቅሰብ ክዋሃብ ዝከኣል እንኮ ናይ ሓቂ ብስራት: ማለት መንግስቲ የሆዋ ናይ ምእዋጅ ዘሐጕስ መሰል ኣለና። ብዛዕባ እቲ ኣብታ እትመጽእ ገነት ነቲ ብእሙናት ደቅሰብ ዝቘመ ሓድሽ ምድሪ ብጽድቂ ዝገዝእ ሓድሽ ሰማያት ዝምልከት ኣቐድም ኣቢልና ዝረኸብናዮ ፍልጠት ኣዚና ሕጕሳት ኢና። (2 ጴጥ. 3:13, 17) እቶም ነዚ ተስፋ እዚ ሓንጐፋይ ኢሎም እተቐበልዎ ንሕና ጥራይ ኢና: ንኻልኦት ሰባት ከነካፍሎም ድማ ንብህግ ኢና።
3 ናይ ሓቂ ፍቕሪ የለዓዕለና ኢዩ:- ወንጌል ምስባኽ ህይወት ናይ ምድሓን ዕዮ ኢዩ። (ሮሜ. 1:16) ስለዚ ኸኣ ኢና መልእኽቲ መንግስቲ ኣብ ምስፋሕ ዓቢ ሓጐስ እንረክብ። ከም ሓቀኛታት ወንጌላውያን መጠን: ንሰባት ነፍቅር ኢና: እዚ ድማ ነቲ ብስራት ንዕኦም—ንስድራቤትና: ጐረባብትና: እንፈልጦም ሰባት: ከምኡውን ብእተኻእለ መጠን ንኻልኦት ሰባት—ከነካፍሎም የለዓዕለና ኢዩ። ሓደ ካብቲ ንኻልኦት ሰባት ሓቀኛ ፍቕሪ ከነርእየሉ እንኽእል ዝበለጸ መግለጺታት ነዚ ዕዮ እዚ ብምሉእ ነፍስኻ ምዕያይ ኢዩ።—1 ተሰ. 2:8
4 መንፈስ ኣምላኽ ይሕግዘና ኢዩ:- ነቲ ዘርኢ መንግስቲ ናይ ምትካልን ምስታይን ዕዮና ኽንፍጽም ከለና: “እቲ ዜብቍል” የሆዋ ምዃኑ ቃል ኣምላኽ ኣረጋጊጹልና ኢዩ። እቲ ሎሚ ኣብ ማሕበርና ክፍጸም እንርእዮ ዘለና ዅነታት ልክዕ ከምዚ ኢዩ። (1 ቈረ. 3:5-7) ኣብቲ ወንጌል ናይ ምንጋር ንጥፈትና ዝሕግዘናን ዓቢ ዓወት ዝህበናን ዘሎ መንፈስ ኣምላኽ ኢዩ።—ዮኤ. 2:28, 29
5 ብመሰረት እቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 4:5 ዘሎ “ግብሪ ወንጌላዊ ግበር” ዝብል ምትብባዕን ብምኽንያት እቲ ኣብ ኵሎም ሰባት ዘሎና ፍቕርን የሆዋ ንዕዮና ክባርኾ ምዃኑ እምንቶ ብምሕዳር: ነቲ ዘሐጕስ ብስራት መንግስቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ንምክፋል እንለዓዓል ይግበረና።