“እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ”
1 የሱስ ነቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ክእዝዞም ከሎ: “እንሆ: ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ” በሎም። (ማቴ. 10:16) እዚ ግን ንኽፈርሑን ንኽዝሕጡን ገይርዎምዶ ኢዩ፧ ኣይገበሮምን። ከምቲ ደሓር ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ክርስትያናት ብጾቱ “ተቢዕና፤ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ: ኣይክፈርህን እየ: ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል” ኢሉ ክነግሮም ከሎ ዘንጸባረቖ ኣመለኻኽታ ኢዩ ነይርዎም። (እብ. 13:6) ምእንቲ ስሙ ኽሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ ተሓጕሶም ኢዮም: ነቲ ብስራት ምምሃርን ምስባኽን እውን ብዘይ ምቍራጽ ቀጺሎም ኢዮም።—ግብ. 5:41, 42
2 ሎሚ እቲ ዓለምለኻዊ ናይ ምስባኽ ዕዮ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ደረጅኡ ኢዩ በጺሑ። ልክዕ ከምቲ የሱስ ኣቐዲሙ እተነበዮ: ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ኴንና ኢና። (ማቴ. 24:9) ዕዮ ስብከትና ተቓውሞን ላግጽን ኣጋጢምዎ ኢዩ: ኣብ ገለ ክፍልታት ናይ ምድሪ እውን ተኣጊዱ ኢዩ። እምነት እንተድኣ ኣጕዲልና: ፍርሒ ክስምዓና ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ረዳኢና ምዃኑ ምፍላጥና ንኽንጸንዕ የተባብዓናን የሐይለናን ኢዩ።
3 ትብዓት ሓያልን ደፋርን ናይ ምዃን ባህርይ ኢያ። ኣንጻር ፍርሕን ምስምባድን ምጅጅዋን እውን ኢያ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንኽጽመሙ ኵሉ ግዜ ትብዓት ኣድልዪዎም ኢዩ። ካብዛ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ዝዀነት ዓለም ዝመጸና ኣረኣእያታትን ተግባራትን ተጸሊና ፈራሓት ካብ ምዃን ክንቍጠብ እንተድኣ ዄንና ትብዓት ኣድላዪ ኢዩ። ናይቲ ንዓለም ዝሰዓራ የሱስ ዝበለጸ ኣብነት ምሕሳብና ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ መተባብዒ ዝዀነና! (ዮሃ. 16:33) ነቶም ኣብ መሪር ፈተናታት እናሃለዉ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ኢሎም ብትብዓት እተዛረቡ ሃዋርያት እውን ዘክሮም።—ግብ. 5:29
4 ምስቶም ንድሕሪት ዝምለሱ ኣይኰንናን:- ብዛዕባ ዕዮና ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ንኽንዕቅብ ክንጽዕር ኣሎና። (እብ. 10:39) ከም መግለጺ ናይቲ ንዅሎም ደቅሰብ ዘለዎ ፍቕሩን ምሕረቱን መጠን ብየሆዋ ከም እተለኣኽና ኵሉ ግዜ ክንዝክር ኣሎና። ጠቓሚ ዕላማ ዘይብሉ ነገር ክገብሩ ንኣገልገልቱ ፈጺሙ ኣይሓቶምን ኢዩ። እቲ ክንገብሮ እተኣዘዝና ዝዀነ ይኹን ነገር ውዒሉ ሓዲሩ ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ሰባት ንሰናዮም ክኸውን ኢዩ።—ሮሜ. 8:28
5 ብሩህ ኣመለኻኽታ ነቶም ኣብ ዞባና ዘለዉ ኣባጊዕ መሰል ሰባት ምድላይ ንኽንቅጽል ክሕግዘና ኢዩ። ሰባት ዘርእይዎ ዘይምግዳስ ዝገብርዎ ስለ ዝጠፍኦምን ተስፋ ስለ ዘይብሎምን ምዃኖም ገይርና ክንምልከቶ ንኽእል ኢና። እቲ ዘሎና ፍቕሪ ደንገጽትን ዕጉሳትን ንኽንከውን ዘለዓዕለና ይግበሮ። ኵሉ ግዜ ጽሑፍ ክንዕድል ከሎና: ወይ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ክንረክብ ከሎና: ሸቶና ብቕልጡፍ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባርን ዝያዳ ተገዳስነት ንምልዕዓልን ክኸውን ኣለዎ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ክእለት ከም ዘይብልና ወይ ድማ ጽንዓት ኣብ ምምራሕ ኣስለጥቲ ከም ዘይኰንና ገይርና ፈጺምና ክንሓስብ የብልናን። ኣብ ክንድኡስ: ከም ዝሕግዘና እምንቶ ብምግባር ናይ የሆዋ ሓገዝን መምርሕን ብቐጻልን ብጸሎትን ክንደሊ ኣሎና።
6 የሆዋ እቲ ዕዮ ተፈጺሙ ከም ዝርእዮ ኣጽኒዕና ንኣምን ኢና። (ምስ ፊልጲ 1:6 ኣረኣእዮ።) እቲ ከም ረዳኢና መጠን ኣብኡ ዘሎና ምሉእ ትውክልቲ: ‘ንሰናይ ግብሪ ንኸይንስልኪ’ የሐይለና ኢዩ።—ገላ. 6:9