ኣብ ኣኼባታት ኵሉ ግዜ ምክፋል ክንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ!
1 መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ዘለዉ ፍቑራት ኣሕዋትና ከምቲ ኣብ ገለ ናይ ምድሪ ክፍሊ ዘለዉ ብዙሓት ኣሕዋትና ኣጋጢምዎም ዘሎ: ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል ኣብ ኣኼባታት ብግልጺ ንኸይእከቡ ተኣጊዶም ነበሩ። እቲ እገዳ ምስ ተላዕለሎምን ብሓንሳእ ኰይኖም ብናጽነት ክእከቡ ምስ ከኣሉን ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሱ እሞ ሕስብ ኣብሎ!
2 ሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኣብ ሓንቲ ከምዚ ዝበለ መንፈስ ዝነበራ ጉባኤ ዝገበሮ ምብጻሕ ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ ምብጽሐይ ጅምር ምስ ኣበልኩ: እታ ሙቐት ዝህብ መሳርሒ ተሰብረ። ዛሕሊ ኣብ ደገ ባዶ ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ነበረ: ኣብ ውሽጢ ድማ ዳርጋ 5 ዲግሪ ጥራይ ነበረ። እቶም ኣሕዋት ካቦት: ሻርባ: ጓንቲ: ቆቢዕን ቡት ሳእንን ገይሮም ኮፍ በሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙ ዝከታተል ኣይነበረን: ምኽንያቱ ጥቕስታት ክትግንጽል ኣይከኣልን ኢዩ ነይሩ። ምሉእ ክዳን ተኸዲነ ኣብቲ መድረኽ ደው ኢለ ከሎኹ: ኣካላተይ ብቝሪ ደንዘዘ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተዛረብኩላ ደቒቕ ድማ ነቲ ካብ ኣፈይ ዝወጽእ ዝነበረ እስትንፋስ ክርእዮ እኽእል ነበርኩ። ሓንቲ ቓል እውን ትኹን ብምጕርምራም እተዛረበ ስለ ዘይነበረ ግን ገሪሙኒ ኢዩ። ኵሎም እቶም ኣሕዋት ኣብ ኣኼባ ብምክፋሎም ክሳዕ ክንደይ ደስ ዘብልን ሰናይን ከም ዝነበረ ኢዮም ተዛሪቦም!” እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ካብዚ ኣኼባ እዚ በዂርና እንተ ንኸውን ምሓሸና ነይሩ ኢሎም ፍጹም ኣይሓሰቡን!
3 ከምኡዶ ኸይኰነ ዝስምዓና፧ ነቲ ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታትና ብናጻ ናይ ምእካብ ኣጋጣሚ ገና ኣኽቢርናዶ ኢና እንርእዮ፧ ወይስ እቲ ዅነታት ምቹእ ክነሱ ንኣኼባታት ሸለል ኢና እንብሎ፧ ኣብ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዄንካ ምክፋል ቀሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ: ካብ ኣኼባታት ንኽንበኵር ዝገብረና ቅቡል ምኽንያት ዝህልወሉ ግዜያት እውን ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ምድፋእ ዕድመ: ከቢድ ናይ ጥዕና ግድላት: ኣካላዊ ጕድለት: ብዝሒ ስራሕ: ከምኡውን ካልእ ከቢድ ሓላፍነታት እናሃለዎም ክነሱ ናይ ኣኼባታት ኣድላይነት ዝርድኡን ዳርጋ ዅሉ ግዜ ድማ ኣብ ኣኼባታት ዝእከቡን ኣብ መንጎና ከም ዘለዉ ፈጺምኩም ኣይትረስዑ። እዚኣቶምሲ ክንቀድሖም ዘሎና ከመይ ዝበሉ ሰናይ ኣብነታት ኰን ኢዮም!—ምስ ሉቃስ 2:37 ኣረኣእዮ።
4 ኣብ ኵሉ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ማለት ካብታ ንእሽቶ ዝዀነት ጕጅለ ትምህርቲ መጽሓፍ ኣትሒዝካ ክሳዕ ኣብቲ ዝዓበየ ኣኼባ ብምክፋል ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ምድጋፍ ልምድና ንግበሮ። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ምክፋል ኣዚና ኣርዚንና ክንርእዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ ብሓባር ክንእከብ መለኮታዊ ትእዛዝ ስለ እተዋህበና ኢዩ። ካልእ ኣገዳሲ ምኽንያታት ግን ኣሎ። ኵላትና: ኣብ ኣኼባታት ዝርከብ ናይ መለኮታዊ መምርሒ ረብሓታትን ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝን የድልየና ኢዩ። (ማቴ. 18:20) ምስ ኣሕዋትና ሓቢርና ኣብ ንሓድሕድና ብምትብባዕ ንተሃናነጽ ኢና።—እብ. 10:24, 25
5 ኣብቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት: ጴጥሮስ “መምህር: ንኣና ኣብዚ ኽንነብር ጽቡቕ እዩ” በለ። (ሉቃ. 9:33) ብዅሉ እቲ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ዝመጸ ከምዚ ክስምዓና ኣለዎ። ብሓቂ: ኣብ ኣኼባታት ኵሉ ግዜ ምክፋል ክንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ!