ዝዓበየ ግብርታት ክንገብር ንኽእል ኢና
1 ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣገልግሎት ብሉጽ ብዝዀነ ግብርታት ኢዩ ዝልለ። ብተኣምራታዊ መገዲ ንኣሽሓት ሰባት መገበ: ንብዙሓት ኣሕወየ: ንገለ ድማ ካብ ምዉታት ኣተንስአ። (ማቴ. 8:1-17፣ 14:14-21፣ ዮሃ. 11:38-44) እቲ ዕዮኡ ናይ ብዙሓት ሰባት ኣቓልቦ ስሒቡ ኢዩ። ገና ግን: የሱስ ኣብታ ቅድሚ ሙማቱ ዝነበረት ናይ መወዳእታ ምሸት: ነቶም እሙናት ሰዓብቱ “እቲ ብኣይ ዚአምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር: ካብኡ ዚዐቢውን [ክገብር ኢዩ]” በሎም። (ዮሃ. 14:12) ‘ዝዓበየ’ ዕዮታት ክንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ዝሰፍሐ ዞባ ብምሽፋን:- ናይ የሱስ ዕዮ ኣብ ጳለስጢና ጥራይ ተደሪቱ እኳ እንተ ነበረ: እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ግን ካብቲ ባዕሉ የሱስ ዝሰበኾ ኣዝዩ ዝሰፍሕ ዞባ ማለት “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ክምስክሩ ተነጊርዎም ኢዩ። (ግብ. 1:8) እቲ የሱስ ዝጀመሮ ዕዮ ስብከት ሕጂ 232 ሃገራት ዝሽፍን ዓለምለኻዊ ዕዮ ኰይኑ ኢዩ። (ማቴ. 24:14) ኣብቲ ንጉባኤኻ እተመደበላ ዞባ ብምዕያይዶ ምሉእ ብምሉእ ትካፈል ኣሎኻ፧
3 ዝያዳ ሰባት ብምርካብ:- የሱስ ነቲ ዕዮ ስብከት ክቕጽልዎ ዝገደፎም ደቀ መዛሙርቲ ብተዛማዲ ሒደት ኢዮም። ይኹን እምበር: ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝገበርዎ ቅንኢ ዝመልኦ ምስክርነት: ቍጽሪ ናይቶም ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ንሓቂ እተቐበሉን እተጠመቑን ነፍሳት ሰለስተ ሽሕ ኣቢሉ በጽሐ። (ግብ. 2:1-11, 37-41) እቲ ምእካብ ናይቶም “ንዘለኣለማዊ ህይወት ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ሰባት ክሳዕ ግዜና ቀጺሉ ኢዩ: ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ንመዓልቲ ብገምጋም ልዕሊ 1,000 ሰባት ነጠምቕ ኣሎና። (ግብ. 13:48 NW ) ነቶም ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ክርከቡ ዝኽእሉ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎ ሰባት ንምርካብን ተገዳስነቶም ድማ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ንምክትታልን ዝከኣለካ ኵሉዶ ትገብር ኣሎኻ፧
4 ዝበዝሐ ዓመታት ብምስባኽ:- ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ ኣብ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ጥራይ እተደረተ ኢዩ ነይሩ። መብዛሕትና ካብኡ ዝበዝሕ ዓመታት ሰቢኽና ኢና: ገናውን ንሰብኽ ኣሎና። ኣብዚ ዕዮ እዚ ንምቕጻል ተፈቒዱልና ዘሎ ግዜ ክንደይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ንነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ወደ መዝሙር ነቲ ናብ ህይወት ዝመርሕ መገዲ ምጕዓዝ ክጅምር ክንሕግዞ ብምኽኣልና መመስገንቲ ኢና። (ማቴ. 7:14) ብዕዮ ጐይታ ወርሒ ወርሒ ዕዙዝ ዲኻ፧—1 ቈረ. 15:58
5 ከም ሓቀኛታት ደቀ መዛሙርቱ መጠን በቲ የሱስ ዝገብረልና ደገፍ ገና ዝዓበየ ግብርታት ክንገብር ምዃንና ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ማቴ. 28:19, 20