ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/98 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንመስከረም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንመስከረም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 9/98 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንመስከረም

7 መስከረም እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 28

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- “ዝዓበየ ግብርታት ክንገብር ንኽእል ኢና።” ሕቶን መልስን። ኵሎም ነዚ ሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት ዝዀኖም ምኽንያታዊ ሸቶታት ከውጽኡን ንኽበጽሕዎ ድማ ኣበርቲዖም ክዓዩን ኣተባብዓዮም።​—⁠ኣብታ ኣገልግሎትና እትበሃል መጽሓፍ [እንግሊዝኛ] ገጽ 116-18 ርአ።

20 ደቒቕ:- “ፓይነራት ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ይሕግዙ።” ሓደ ሽማግለ ኣብ ርእሲ እቲ ብናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዝዳሎ ምልምማድ: ፓይነራት ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ብብሕቶም ኣብ ኣገልግሎት ዝሕግዝሉ ምድላው ከም እተገብረ ይግለጽ። ኣብቲ ዓንቀጽ እቲ እተመርኰሰ ሕቶታት የልዕል እሞ እቶም ሰማዕቲ ብፍላይ ድማ እቶም ኣብቲ መደብ እቱዋት ዝዀኑ ፓይነራትን ኣስፋሕትን ሓሳብ ክህቡ ይዓድም። ካብዚ መደብ እዚ ዝበለጸ ውጽኢት ብኸመይ ክርከብ ከም ዝኽእል ተመያየጥሉ። ፓይነራት ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ኣብ ምሕጋዝ ብምክፋሎም ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሱን ብኸመይ ከም እተጠቕሙን ከዘንትዉ ይኽእሉ ኢዮም። እተሓገዙ ኣስፋሕቲ ነዚ ፍቕራዊ ምድላው እዚ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘማስውሉ ክነግሩን ኣብ ኣገልግሎት ዝዓበየ ዓወትን ሓጐስን ንኽረኽቡ ዝሓገዞም ነጥብታት ክጠቕሱን ይኽእሉ ኢዮም።

መዝሙር 172ን መዕጸዊ ጸሎትን

14 መስከረም እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 160

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

15 ደቒቕ:- “ ‘ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት’ ናይ 1998 ኣውራጃውን ኣህጉራውን ኣኼባታት።” ሕቶን መልስን።

20 ደቒቕ:- ዝሓለፈ ዓመት እንታይ ኢና ፈጺምና፧ እቲ ጸሓፍን እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን ነቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ጉባኤ ጸብጻብ ኣገልግሎትን ንቝጽሪ ተኣከብቲ ኣኼባታትን ዝገልጽ ኣሃዛት ይዘራረብሉ። ኣወንታዊ መዳያት ናይቲ ጸብጻብ ይግለጹ: ናብቲ ምምሕያሽ ክግበረሉ ዘለዎ መዳያት ድማ የድህቡ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ኣብ ነሓሰ ኣብ ኣገልግሎት ተኻፊሎምዶ፧ ሽማግለታት ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ ኣበየናይ ሸቶታት ከም ዘተኵሩ ይግለጹ: እዚ ድማ ኵሎም ስርዓታውያን ኣስፋሕቲ ክዀኑ ንምሕጋዞም ኢልካ ሸቶ ምውጻእ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ካብቲ ብናይ ወረዳ ተዓዛቢ እተዋህበ ናይ ቀረባ ግዜ ጸብጻብ ዝሰማማዕ ነጥብታት የካፍሉ።

መዝሙር 144ን መዕጸዊ ጸሎትን

21 መስከረም እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 122

15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ቲኦክራሲያዊ ዜና። ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም።

10 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

20 ደቒቕ:- “ነሕዋትካ ፍለጦም።” ሕቶን መልስን። ካብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1988 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 10-11 (እንግሊዝኛ) ዘሎ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ። ኣብ ንሓድሕዶም ብዝሓሸ ንኽላለዩ ኵሎም ተበግሶ ክወስዱ ኣተባብዓዮም።

መዝሙር 34ን መዕጸዊ ጸሎትን

28 መስከረም እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 17

12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ መስከረም ጸብጻብ ኣገልግሎት ክህቡ ንዅሎም ንኣስፋሕቲ ኣዘኻኽሮም። ኣብ ጥቅምቲ ኣብቲ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮ ብዝያዳ ንምዕያይ መደብ ከውጽኡ ንዅሎም ኣተባብዓዮም።

20 ደቒቕ:- “መሪሕነት ዝወስዱ ተዓዘብቲ​—⁠ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ።” በቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝቐርብ ዝርርብ። ነቲ ዝፍጽሞ መዝነታቱ ድሕሪ ምግላጽ: እታ ጉባኤ ኣብቲ ከባቢ እትገብሮ ኣገልግሎት ውጽኢቱን ስፍሓቱን ንምዕባይ ክትተሓባበረሉ እትኽእል ንጹር መገድታት ይግለጽ።

13 ደቒቕ:- ንፉዕ ናይ ጉባኤ ኣስፋሒ ንምዃን ዝድለ እንታይ ኢዩ፧ ሰማዕቲ ብመጠኑ ከም ዝካፈሉ ብምግባር ዝቐርብ ዝርርብ። ብሉጽ ክእለት ወይ ተውህቦ ምህላው ኣድላዪ ኣይኰነን፣ ኣብ ክንድኡስ: ኵላትና ፍቕሪ: ትሕትና: ቅንእን ሞሳን ዘንጸባርቕ ወለንታዊ ኣረኣእያ ክህልወና ኢዩ ብዝያዳ ዝበሃግ። እዚ ስዒቡ ዘሎ ነገራት ተደላዪ ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ሰማዕቲ ሓሳብ ክህቡ ዓድሞም:- (1) ሕጉስ መንፈስ፣ (2) ኣብ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዄንካ ምክፋልን ምስታፍን፣ (3) መዝነታት ንምቕባልን ንምፍጻምን ወለንተኛ ምዃን፣ (4) ምስ ሽማግለታትን ነታ ጉባኤ ተባሂሉ ምስ ዝግበር ምድላዋትን ምትሕብባር፣ (5) ንኻልኦት ሓገዝ ንምሃብ ልባዊ ተገዳስነት ምርኣይ፣ ከምኡውን (6) ኣብ ግራት ኣገልግሎት ስርዓታዊ ዄንካ ምስታፍን ኣብ ወርሒ ወርሒ ድማ ቅልጥፍ ኢልካ ጸብጻብ ምሃብን።

መዝሙር 25ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ