መሪሕነት ዝወስዱ ተዓዘብቲ —መራሒ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ
1 እቲ ግምቢ ዘብዐኛ መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ዝብል መጽሔት: እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” መንፈሳዊ መግቢ ‘ኣብ ግዜኡ’ ናባና ንምዝርጋሕ ብቐዳምነት ዘዳልዎ ኢዩ። (ማቴ. 24:45) እቲ ንትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝመርሕ ሽማግለ ከም ክኢላ መምህር መጠን ብክርስትያናዊ ኣነባብርኡ ጽቡቕ ኣብነት ክኸውን ዓቢ ሓላፍነት ኣለዎ።—ሮሜ 12:7፣ ያእ. 3:1
2 እቲ መራሒ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ምእንቲ ክምህር: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ጽቡቕ ገይሩ ንኽዳሎ ኣበርቲዑ ክጽዕር ኣለዎ። ነዚ ኸኣ ብጸሎትን ብጥንቃቐን ኢዩ ዝገብሮ። በቲ ዝውሰድ ትምህርቲ ኣብ ልብና ንኽበጽሕ ዝገብሮ ሓቀኛ ጻዕሪ ኣብ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘለዎ ዓሚቝ ተገዳስነት ዘንጸባርቕ ኢዩ። ኣብ ቀንዲ ነጥብታት ናይቲ ትምህርቲ የተኵር: ምስቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ናይቲ ዓንቀጽ ብኸመይ ከም ዝተሓሓዝ ንኽንርዳእ ከኣ ይሕግዘና።
3 ብእኡ ወገን ጽቡቕ ምድላው ምግባር እቲ ጥቕስታት ብኸመይ ምስቲ ሓሳባት ከም ዝሰማማዕ ንምፍላጥ ኣቐዲምካ ምርኣዮም ዘጠቓልል ኢዩ። እቲ ትምህርቲ ኣብ ዝውሰደሉ እዋን: ንሰማዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክጥቀሙ ብምትብባዕ ንቓል ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ይህቦ። ሓሳባት ክወሃብ ከሎ ኣድላዪ ነጥቢ ምስ ዝተርፍ ወይ ናይ ቀንዲ ጥቕስታት ሓሳብ ምስ ዘይጥቀስ: ነቲ መልእኽቲ ከም ዝመሓላለፍ ንምግባር ተወሳኺ ሕቶታት ይሓትት። በዚ መገዲ እዚ: ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ክንበጽሕን እተማሃርናዮ ዘበለ ኣብ ናብራና ብኸመይ ኣብ ተግባር ከም እነውዕሎን ክንርዳእ ይሕግዘና።
4 መራሒ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ኣማሃህራ ክእለቱ ንኸመሓይሽ ብቐጻሊ ኢዩ ዝጽዕር። ብዙሕ ሓሳብ ኣይህብን ኢዩ: ብናይ ገዛእ ርእስና ቃላትን ብሕጽር ዝበለ መገድን ገይርና ቀንዲ ሓሳብ ክንህብ ኢዩ ዘተባብዓና። እቲ መራሒ ኣብ ሓንቲ ቍጽሪ ናይ መጀመርታ ሓሳብ ዝህብ ሰብ ናይቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ሕቶ ሓጺርን ቀጥታውን መልሲ ክንህብ ሓሓሊፉ የዘኻኽር ይኸውን። እቶም ካልኦት ኸኣ ብዛዕባ እቲ ጥቕሲ ምስቲ ሓሳብ ዘለዎ ርክብ: ተወሳኺ ሓሳብ: ወይ ከኣ እቲ ትምህርቲ ኣብ ተግባር ዝውዕለሉ መገዲ ሓሳብ ክህቡ ይኽእሉ። እቲ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝመርሕ ሓው ናይ ብሕትን ስድራቤትን ምድላው ንኽግበር ብምትብባዕ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኽሳተፍ ዘለዎ ባህጊ የነቓቕሕ።
5 ‘ብእግዚኣብሄር እተመሃርና’ ከም ምዃና መጠን: ንኸም መራሒ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝኣመሰሉ ‘ብምህሮ ዝጽዕሩ’ ‘ውህበት ሰብኡት’ (NW ) ዘሎና ሞሳ ነርእዮም ኢና።—ኢሳ. 54:13፣ 1 ጢሞ. 5:17፣ ኤፌ. 4:8, 11