ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥርን ለካቲትን:- ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ክህሉ ዝኽእል ቅድሚ 1985 እተሓትመ 192 ገጽ ዘለዎ ዝዀነ መጽሓፍ ወይ ከኣ ሌት ዩር ኪንግደም ካም: ሜኪንግ ዮር ፋሚሊ ላይፍ ሃፒ: ሳርቫይቫል ኢንቱ ኤ ኒው አርዝ: ዩናይትድ ኢን ዎርሽፕ ወይ ዩር ዩዝ ዝበሃላ ናይ እንግሊዝኛ መጻሕፍቲ ብሰለስተ ናቕፋ/ብር ምዕዳል ይከኣል ኢዩ። መጋቢት:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ክግበር ኢዩ።
◼ ኵሎም እቶም ኣብታ 4 ጥሪ እትጅምር ሰሙን ዘሎ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ዝካፈሉ እተጠምቁ ኣስፋሕቲ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድን ንደቆም ዝኸውን ናይ መንነት ካርድን ክዋሃቦም ኢዩ።
◼ ጉባኤታት: ነቲ ሓሙስ 1 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ዝግበር በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ምድላዋት ክገብራ ኣለወን። እቲ ዝርርብ ኣቐዲሙ ክጅመር ዝከኣል እኳ እንተዀነ: እቲ ናይ ዝኽሪ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ምዛር ግን ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ክጅመር የብሉን። ኣብ ከባቢኹም ጸሓይ እትዓርበሉ ሰዓት ንምፍላጥ ናይቲ ከባቢ ምንጭታት ሕተቱ። ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ናይ ገዛእ ርእሳ ዝኽሪ በዓል ክትገብር ዝድለ እኳ እንተዀነ: ኵሉ ግዜ ዝከኣል ግን ኣይኰነን። ዝከኣል እንተዀይኑ: ምእንቲ ነቶም በጻሕቲ ሰላም ክትብሉ: ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ከተታባብዑ: ከምኡውን ካብቲ ኣጋጣሚ ምሉእ ብምሉእ ክትጥቀሙ ኣብ መንጎ ናይ ክልተ ጉባኤታት ፕሮግራም እንተ ወሓደ ናይ 20 ደቒቕ ፍልልይ ክትገብሩ ጽቡቕ ኢዩ። እቶም ሽማግለታት ነታ ብ27 ሚያዝያ 1998 እተላእከት ደብዳበ ክውከሱን: ኣብቲ ከባቢ እንታይ ምድላው እንተ ገበሩ ዝበለጸ ከም ዝኸውን ክውስኑን ይግባእ።