እቲ ዓቢ ፈጣሪና ብዛዕባና ይሓሊ ኢዩ!
1 የሆዋ ነቶም ዘይእዙዛት እስራኤላውያን ከረድኦም ክጽዕር ከሎ “እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ . . . ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶም። (ኢሳ. 40:28) ንሕና ነቲ ዓቢ ፈጣሪና ንፈልጦ ኢና: ነቲ ዝገብረልና ፍቕራዊ ሓልዮት እውን ንርድኦ ኢና። ይኹን እምበር: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብዛዕባ ህላወኡ ይጠራጠሩ: ወይ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕብኡ ዝብሎ ሓሳብ ዝጋጮ ምርዳእ ኢዩ ዘለዎም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
2 እታ ብዛዕባኻ ዝሓሊ ፈጣሪ ኣሎ ድዩ፧ እትበሃል ሓዳስ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ክትሕግዝ እያ ተዳልያ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ መስተውዓልቲ ሰባት ብዛዕባ እቲ ቀሪቡ ዘሎ ጭብጥታት ክሓስቡ ኢያ እትዕድም። እታ ብቛንቋ ኣምሓርኛን ትግርኛን እትርከብ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ከኣ ብሕጽር ዝበለ መገዲ ተመሳሳሊ ሓሳባት ኢያ እትገልጽ። እዚ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝርከብ መሳጢ ትሕዝቶን ዘእምን መርትዖታትን ነቶም ዘንብብዋ ዝማርኽ ክኸውን ይግባእ።
3 ምስታ ፈጣሪ እትበሃል መጽሓፍ ተላለ:- ናይቲ ሒዛቶ ዘላ ቀንዲ ፍረ ነገር ኣብ ኣእምሮኻ ግበር። ካብ ምዕራፍ 2 ክሳዕ 5 ኣድማስ: ህይወት: ከምኡውን ሰብ ብኸመይ ናብ ህላወ ከም ዝመጸን መን ከም ዝገበሮን ይገልጻ። ካብ ምዕራፍ 6 ክሳዕ 9 ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ደራሲኡን: ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ዘፍጥረት ተገሊጹ ዘሎ ኣፈጣጥራ ዝእመን ምዃኑን ዘይምዃኑን ይድህስሳ። ምዕራፍ 10 ብዛዕባ እቲ ደቅሰብ ዝሓትዎ “ፈጣሪ ዝሓሊ እንተድኣ ዀይኑ: ክንድዚ ዝኣክል ስቓይ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧” ዝብል ኣዝዩ ዘደናግር ሕቶ ዘዕግብ መልሲ ትህብ።
4 ነቶም ዝጠራጠሩ ሰባት ከተረድኦም ጸዓር:- ፈጣሪ እትበሃል መጽሓፍ ካብ ገጽ 78-9 ንኻልኦት ክትሕግዘሉ እትኽእል መርትዖ ትገልጽ። ከምዚ ኢልካ ሕተቶም:- “ኣድማስ መጀመርታ ኣለዎዶ ኢዩ፧” መብዛሕትኦም መጀመርታ ከም ዘለዎ ይሰማምዑ ኢዮም። እንተ ተሰማሚዖም ቀጺልካ “ነዚ መጀመርታ እዚ ከም ዝህሉ ዝገበረ ኣሎ ድዩ ወይስ ባዕሉ ኢዩ ጀሚሩ፧” መብዛሕትኦም ነቲ መጀመርታ ከም ዝህሉ ዝገበረ ምህላዉ ይሰማምዑ ኢዮም። እዚ ኸኣ ናብታ ናይ መወዳእታ ሕቶ ይመርሕ:- “እዚ ናይ ኣድማስ መጀመርታ ከም ዝህሉ ዝገበረ ሓደ ዘለኣለማዊ ነገር ድዩ ወይስ ዘለኣለማዊ ኣካል፧ ” እዚ ዓይነት ኣቀራርባ እዚ ንብዙሓት ሰባት: ብርግጽ ፈጣሪ ከም ዘሎ ናብ ምርዳእ ክመርሖም ይኽእል ኢዩ።
5 እታ ፈጣሪ እትበሃል መጽሓፍ ወይ እታ ኣምላኽ ይግደስዶ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ንብዙሓት ሰባት ክትሕግዞም ኢያ። ንኣዝማድካ: መሳርሕትኻ: መማህርትኻን ካልኦት እትፈልጦም ሰባትን ሃቦም። ነቶም ብዛዕባ ህላወ ኣምላኽ ዝጠራጠሩ ምእንቲ ኸተበርክተሎም ኣብ ኣገልግሎት ምሳኻ ተማልኣያ። ምስዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝያዳ ብእተላለና መጠን ንፈጣሪና ዘሎና ፍቕሪ ዝያዳ ይሕይል: እዚ ኸኣ ነቲ ዝለዓለ መለክዒታት ኣምላኽ ምስዓብ ንኽንቅጽል ይድርኸና።—ኤፌ. 5:1፣ ራእ. 4:11