ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/99 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንመጋቢት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንመጋቢት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 1 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
  • 8 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
  • 15 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
  • 22 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
  • 29 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
km 3/99 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንመጋቢት

1 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 33

12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። ኣብ ፍሉይ ዞባ ወፍሪ እንገብረሉ መደብ ከም እተጀመረ ንዅሎም ኣዘኻኽሮም። ኣብዚ ዓመት እዚ ገና ዘይተሸፈኑ ክንደይ ዞባታት ከም ዘለዉ ነቲ ናይ ዞባ ኣገልጋሊ ሕተቶ። ነዚ ዞባታት እዚ ንምሽፋን እንታይ ምድላዋት ከም ዝግበር ግለጽ። ኣብቲ ሳሕቲ እተዓየ ዞባታት ናይ ቀደም መጽሔታትን ትራክትታትን ክጥቀሙ ኣተባብዕ።

17 ደቒቕ:- “ኣብ መላእ ዓለም ዝኽበር ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ።” ሕቶን መልስን። ነቲ ኣብ ናይ 1 ለካቲት 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 11-12 ቍጽሪ 10-14 ዘሎ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ። እቲ ናይ የሆዋ ዓሚቝ ፍቕሪ በጃ ክኸፍለልና ብኸመይ ከም ዝደረኾ ኣጕልሕ።

16 ደቒቕ:- ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን ሓጋዚ ፓይነር ክትከውን ዝድርኽ ምኽንያታት። እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ንዅሎም ሓገዝቲ ፓይነራት ንምዃን ኣጸቢቖም ክሓስብሉ ብምትብባዕ ዝቐርብ ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። ነቲ ኣብ ናይ ጥሪ 1999 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ኣብ ናይ ስርዓታውያንን ሓገዝትን ፓይነራት እተገብረ ለውጢ ሰዓታት እውን ኣቕርብ። እዚ ለውጢ እዚ ብዙሓት ካልኦት ኣሕዋት መሰል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክረኽቡ ከኽእሎም ኣለዎ። እቲ ንመስዋእቲ ክርስቶስ ዘሎና ሞሳ ንኻልኦት ምእንቲ ክንሰብኽ ብኸመይ ከም ዝድርኸና ግለጽ። (2 ቈረ. 5:⁠14, 15) ኣብዛ ዓመት እዚኣ በዓል ዝኽሪ 1 ሚያዝያ ኢዩ ክኽበር። እዚ ኣስፋሕቲ ናይታ መንግስቲ ኣብታ ወርሒ ብምልእታ ተወሳኺ ናይ ኣገልግሎት ንጥፈት ንኽገብሩ ክሳዕ ክንደይ ዘነቓቕሕ ኰን ኢዩ! ካብቲ ኣብ ናይ ለካቲት 1997 ከምኡውን መጋቢት 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ብዛዕባ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ምግልጋል ዝገልጽ እታው ቀንዲ ነጥብታት ኣቕርብ። እቲ ኣብኡ ከም ኣብነት ቀሪቡ ዘሎ መደባት ኣብ ግብሪ ክውዕለሉ ዝኽእል መገድታት ኣርኢ። ነቲ ምስ ካልኦት ኣብ ኣገልግሎት ንኽትካፈል እኹል ኣጋጣሚ ዝህብ ኣብታ ጉባኤ እተገብረ ናይ ኣገልግሎት ምድላዋት ግለጽ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ናይ ሓጋዚ ፓይነር መሕተቲ ቅጥዒ ክወስዱ ኣተባብዓዮም።

መዝሙር 44ን መዕጸዊ ጸሎትን

8 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 52

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

20 ደቒቕ:- “ክመጹ ዓድምዎም።” ሕቶን መልስን። ንሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ኵሉ ግዜ ናብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክመጹ ክንዕድሞም ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሕ። በቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ገጽ 159 ቍጽሪ 20 ከምኡውን ገጽ 161-3 ቍጽሪ 5-8 ዘሎ ሓሳባት ገይርካ ምስ ሓደ ተገዳሲ ትመያየጥ ከም ዘሎኻ ብመርኣያ ኣቕርብ። ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ነቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብረሎምን ካልኦት ተገደስቲ ሰባትን ኣብቲ 1 ሚያዝያ ዝኽበር በዓል ዝኽሪ ክመጹ ንምሕጋዞም ፍሉይ ጻዕሪ ክገብር ኣተባብዕ። ነቲ ናብ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም እንጥቀመሉ ወረቐት ኣርእዮም: ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ከም እንኽእል ከኣ ግለጽ። ኵሎም ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ናይ ዕድመ በዓል ዝኽሪ ክዕድሉ ክጅምሩ ኣለዎም።

15 ደቒቕ:- “ኣባላት ስድራቤት ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምሉእ ግደ ንኽህልዎም ብኸመይ ከም ዝተሓባበሩ።” ብሓንቲ ስድራቤት ዝግበር ምይይጥ። ኣብቲ ዓንቀጽ ካብ ዘሎ ቀንዲ ነጥብታት ሓሳብ ክህቡ ኸለዉ: ከም ስድራቤት መጠን ንኣኼባታት ብኸመይ ከም ዝዳለዉ ይመያየጡ። ኵሎም ምእንቲ ክሳተፉ ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙሉ ዝኽእሉ መገድታት: ከምኡውን ኣብ ሰዓቶም ምእንቲ ክበጽሑ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ይመያየጡ።

መዝሙር 62ን መዕጸዊ ጸሎትን

15 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 56

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- “ኣገልገልቲ ጉባኤ ጠቓሚ ኣገልግሎት የቕርቡ።” ብሓደ ክኢላ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዝቐርብ ዝርርብ። ኣብታ ኣገልግሎትና እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ካብ ገጽ 57-9 ተሸፊኑ ዘሎ ቀንዲ ነጥብታት ኣቕርብ። ኣገልገልቲ ጉባኤ ነታ ጉባኤ ንምሕጋዝ እንታይ ከም ዝገብሩ ግለጽ።

20 ደቒቕ:- ካብ ናይ 1999 ዓመት መጽሓፍ ጥቕሚ ምርካብ። ኣብ መንጎ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ዝግበር ምይይጥ። እቲ በዓል ቤት ናይ ዓመት መጽሓፍ ንመጀመርታ ግዜ ብመልክዕ መጽሓፍ ዝወጸ ብ1927 ምዃኑ: ንልዕሊ 70 ዓመታት ከኣ ከም እተሓትመት: ጸብጻብ ናይቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝሓዘት ይገልጽ። ነቲ ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ቀንዲ ነጥብታት “ናይ 1998 ጠቕላላ ድምር” የጕልሑ። ድሕርዚ ነቲ ኣብ ገጽ 3-5 ዘሎ “ካብ ኣማሓዳሪ ኣካል እተላእከ ደብዳበ” ዝብል ይመያየጥሉ: ነቲ ኣብኡ ተዋሂቡ ዘሎ መተባብዒ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም ዘውዕልዎ ኸኣ ሓሳብ ይህቡ።

መዝሙር 68ን መዕጸዊ ጸሎትን

22 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 162

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስማት ናይቶም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሓገዝቲ ፓይነራት ክዀኑ ዝመደቡ ንገር። ሓጋዚ ኴንካ ከተገልግል ንምሕታት ሕጂውን ግዜ ከም ዘይሓለፎ ግለጽ። ኣብ ብምልእታ ወርሒ ሚያዝያ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ናይ ግራት ኣገልግሎት መደብ ግለጽ። ከምቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር​—⁠1999 ከምኡውን ኣብ ናይ 1999 ዓውደ-ኣዋርሕ ተገሊጹ ዘሎ: ነቲ ካብ 27 መጋቢት–1 ሚያዝያ ክንበብ እተመደበ ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክስዕቡ ንዅሎም ኣተባብዓዮም።

15 ደቒቕ:- ንበዓል ዝኽሪ ተዳለዉ። ብዝርርብ ዝወሃብ። ነቶም ጽንዓታትን ካልኦት ተገደስቲ ሰባትን ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ንኽእከቡ ክሕግዝዎም ኵሎም መደብ ክገብሩ ኣለዎም። ሓደስቲ ሰባት መን ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ከም ዝወስድ ወይ ትርጕም ናይቲ በዓል ኣይርድኦምን ይኸውን። ነቲ ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ካብ ገጽ 6-8 ተገሊጹ ዘሎ ሓሳባት ርአ: ነቶም ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ንትርጕምን ዕላማን ናይዚ በዓል ንኽርድኦም ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእል ግለጽ። ነቲ “ንበዓል ዝኽሪ ዝኸውን መዘኻኸሪታት” ዝብል ብምቕራብን ኣብታ ጉባኤ ነቲ ናይ ዝኽሪ በዓል እተገብረ ምድላዋት ብምግላጽን ዛዘም።

20 ደቒቕ:- ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ ሓደ ሽማግለ እታ ብሮሹር ሒዛቶ ዘላ ቁም ነገርን ጥቕምን ምስ ክልተ ወይ ሰለስተ ክኢላታት ኣስፋሕቲ ኰይኑ ይመያየጠሉ። ነዛ ብሮሹር እዚኣ ኣብ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ምስ ኣጽናዕናያ ዝያዳ ክንፈልጣ ኢና። ኣብ ግራት ኣገልግሎት ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ንጥቀመላዶ ኣሎና፧ በዚ ዝስዕብ ነጥብታት ይመያየጡ:- ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዝግደሱ ስለምንታይ ኢዮም፧ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ትምህርትታት ብምንጽጻር: እታ ብሮሹር እንታይ ተስፋ ኢያ እትህብ፧ ነቲ ኣብ ናይ ድሕሪት ገበር ዘሎ ሕቶታት ተገዳስነት ንምልዕዓል ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ እዛ ብሮሹር እዚኣ ንምብርካት ዘኽእል እንታይ ኣጋጣሚታት ኣሎ፧ በቲ ኣብ ገጽ 27 ቍጽሪ 14 ዘሎ ጥቕስታት ገይርካ ሓደ ኣቀራርባ ኣርኢ። ነዛ ብሮሹር ጽቡቕ ገይሮም ንኽጥቀሙላ ኵሎም ንቑሓት ክዀኑ ኣተባብዕ።

መዝሙር 92ን መዕጸዊ ጸሎትን

29 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 111

15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ መጋቢት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ንዅሎም ኣዘኻኽሮም። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ክንዕድል ኢና። ሓደስቲ መጽሔታት ኣርኢ: ከተበርክቶ ከሎኻ ኣየናይ ዓንቀጽ ከተጕልሕ ከም እትኽእል ሓሳብ ሃብ: መዘራረቢ ዝዀነካ ገለ ፍሉይ ነጥብታት ከኣ ጥቐስ። ኵሎም ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ክማልእዋን ምስ ተገደስቲ ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ክጥቀሙላን ኣለዎም። ሕቶ ሳጹን።

12 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

18 ደቒቕ:- ምኽሪ ክወሃበና ኸሎ ብኸመይ ኢና ክንምልሰሉ ዘሎና፧ ብሽማግለ ዝወሃብ ዝርርብ። ኵላትና ብዛዕባ ኣረኣእያና: ጠባይና: ምስ ሰባት ዘሎና ሕብረት: ወይ እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ጉባኤ እንገብሮ ንጥፈታት ምኽሪ ይወሃበና ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ነቲ ምኽሪ ናብ ምእባይ ወይ ቂም ናብ ምሓዝ ንዘዙ ኢና። ምኽሪ ንምቕባልን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ፍቓደኛ ምዃን ኣብ መንፈሳዊ ጥዕናና ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምኽሪ ክንቅበልን ከነማስወሉን ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ ዘጕልሕ ኣድላዪ ረቛሒታት ግለጽ።​—⁠ናይ 1 ሚያዝያ 1987 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 27-30 ርአ።

መዝሙር 118ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ