ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/99 ገጽ 7
  • ቲኦክራሲያዊ ዜና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቲኦክራሲያዊ ዜና
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
km 4/99 ገጽ 7

ቲኦክራሲያዊ ዜና

◼ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ናይሮቢ: ኬንያ: እተገብረ ሻምናይ ክፍሊ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝኸዱ ሽዱሽተ ተማሃሮ ተመሪቖም።

◼ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ማእከል ስፖርት ካሳራኒ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ካብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትና 14 ልኡኻት ተኻፊሎም። ካብ ኣርባዕተ ኣህጉራት ዝመጹ ልዕሊ 1,200 ወጻእተኛታት ልኡኻት ነይሮም። እቲ ዝለዓለ ቍጽሪ ተኣከብቲ ልዕሊ 25,000 ክኸውን ከሎ 606 ከኣ ተጠሚቖም።

◼ ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ ዓይነት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ከምኡውን ካልኦት ጽሑፋት ንምምሕያሽ እትሕግዘና ሄደልበርግ ቲኦኬይ እትበሃል ናይ ሕትመት ማሽን ብምርካብና ተሓጒስና ኢና።

◼ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓሙሽተ ቦታታት እተገብረ “ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ዘርእስቱ ዓቢ ኣኼባ ጠቕላላ ዝለዓለ ቍጽሪ ተኣከብቲ 9,899 ክኸውን ከሎ: 284 ከኣ ተጠሚቖም።

◼ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ቐረባ እዋን ናይ ኮተቤ ከምኡውን መገናኛ ዝበሃላ ጉባኤታት ኣደራሻት መንግስቲ ንየሆዋ ተወፍዩ።

◼ ነቶም ኣብ ዞባና ዝርከቡ ጸማማት ዝያዳ ቈላሕታ ምእንቲ ኽግበረሎም: ገለ ኣብ ኣዲስ ኣባባ ዝርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ኢትያጵያ ምልክት ቋንቋ ንኽማሃሩ ምድላዋት ይግበር ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ