ኣብ ምህናጽ ኣደራሽ መንግስቲ ደገፍካ ክትህብ ዲኻ፧
1 እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ቀናኣት ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዮም ነይሮም። እቲ ብትብዓት ዘካየድዎ ስብከት ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ናብ እስያን ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ከም ዝበጽሕ ገይርዎ ኢዩ: እተን ጉባኤታት እናወሰኻ ክኸዳ ኸለዋ ኸኣ ይሕጐሱ ነበሩ። (ግብ. 16:5) ኣብዚ እዋን መወዳእታ ድማ ሓቀኛ ኣምልኾ ኣብ መላእ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። ኣብዘን ዝሓለፋ ቐረባ ዓመታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ልዕሊ 300,000 ዝዀኑ ሰባት ኢዮም ተጠሚቖም! እዚ ቕልጡፍ ዕቤት እዚ ንኣድላይነት ምህናጽ ብዙሕ ኣደራሻት መንግስቲ ክብ ኣቢልዎ ኣሎ። ኣብ ዞባና ኣብዚ ሕጂ እዋን ዳርጋ ሓምሳ ኣደራሻት መንግስቲ ይድለ ኣሎ።
2 ነዚ ጠለብ እዚ ንምምላእ ኣመሓዳሪ ኣካል ነተን ብህጹጽ ኣደራሽ መንግስቲ ዝደልያ ብሰንኪ ቝጠባዊ ጸገም ግን ክሰርሓ ዘይክእላ ጉባኤታት ገንዘብ ዘለቅሕ ናይ ማሕበር ማዕከን ኣደራሽ መንግስቲ ከም ዝቐውም ገይሩ ኢዩ። ስለዚ በቲ ኻብዚ ማዕከን ዝርከብ ገንዘብ መሬት ይዕደግን ብዙሕ ወጻኢ ዘይሓትት ግን ማራኺ ዝዀነ ኣደራሻት መንግስቲ ይስራሕን ኣሎ። ንጨንፈር ቤት ጽሕፈትና ሓዊስካ ኣብ ብዙሓት ጨናፍር ኣብያተ-ጽሕፈት: ክፍልታት ህንጻ ኣደራሽ መንግስቲ ይቘማ ኣለዋ። እዚ ብዙሕ ምምሕያሻት ከም ዘምጽእ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ግዜ ዝቝጥብን ብዙሕ ወጻኢታት ዘይሓትትን ደረጅኡ ዝሓለወ ንድፍታት ከምኡውን ናይ ኣተሃናንጻ ሜላታት ይተኣታቶ ኣሎ። ክኢላታት ተዓዘብቲ ንኽህልዉ ከምኡውን ኣብ ምምሕዳር ዕዮ ህንጻን ኣብ ፍሉይ ሞያታትን ዘተኵር ስልጠና ንወለንተኛታት ንኽውሃብ ምድላዋት ይግበር ኣሎ።
3 ካብዚ ደገፍ እዚ ዝጥቀማ ጉባኤታት እቲ ማዕከን ደንፊዑ ካልእ ተወሳኺ ኣደራሻት መንግስቲ ምእንቲ ኽህነጽ ስርዓታዊ ዝዀነ ወርሓዊ ውጽኢት ክገብራ ተተባቢዐን ኣለዋ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እተን ጉባኤታት: እቲ ዝስራሕ ህንጻን ቀጽሩን ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ክብሪ ዝህብን ነዊሕ ዕድመ ዘለዎን ንኽኸውን ጽቡቕ መደብ ጽገና ኽስዕባ ተሰማሚዐን ኢየን: እዚ ኸኣ ካብ ተወሳኺ ወጻኢታት የድሕን።
4 እዚ ፕሮግራም እዚ ንኽዕወት ወለንተኛታት የድልዩ ኢዮም። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሞያዊ ክእለት ዘለዎም ኣሕዋት ነቲ ምንጪ እቶቶም ዝዀነ ዓለማዊ ስራሕ ንኣዋርሕ ዝኣክል አረ ገሊኦምስ ንዓመታት እውን ከይተረፈ ብምቍራጽ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ህንጻ ወይ ወለንተኛታት ብምዃን ኣብቲ ዕዮ ሓገዞም ንምብርካት ድሉዋት ኰይኖም ኢዮም። ብዙሓት ካልኦት ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ክሕግዙ መዲቦም ኢዮም: ካልኦት ድማ ንገለ መዓልትታት ወይ ሰሙናት ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ወሲዶም ኢዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንገለ ሰዓታት ግዜኦምን ክእለቶምን ብፍታው ንምውፋይ ክሕግዙ ዝመጹ እውን ኣለዉ። እቲ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽድንፍዕ ዘለዎም ሓያል ባህጊ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ጥራይ ዘይኰነስ ነዚ መዳይ ሓቀኛ ኣምልኾ ዝዀነ መአከቢ ቦታታት ናይ ምህናጽ ዕዮ እውን ደገፎም ንኽህቡ ይድርኾም ኢዩ። (መዝ. 110:3) ንመብዛሕትና ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ድሕሪ ሓጺር እዋን ክኽፈተልና ኢዩ። ኣብ ዞባና ብዙሓት ኣሕዋት ከምዚ ዝበለ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ከም ዘርእዩ ንተኣማመን ኢና። ሓደ ኻብኣቶም ክትከውን ዲኻ፧