ናይ 2000 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ
1 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ንህዝቢ የሆዋ ዓቢ በረኸት ከም ዘምጽኣሎም ተራእዩ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ኣሕዋት: ህዝባዊ ዝርርብ ኣብ ምሃብን መምህራን ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ኣብ ምዃንን ክእለቶም ንኸማዕብሉ ሓጊዝዎም ኢዩ። (መዝ. 145:10-12፣ ማቴ. 28:19, 20) እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ብኸመይ ከም ዝሓገዘካ ኣስተብሂልካሉዶ፧ ኣብኡ ምሉእ ብምሉእ እንተድኣ ተኻፊልካን ነቲ ዝወሃበካ ምኽሪ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ኣውዒልካዮን ኣብ 2000 እውን ጥቕሚ ክትረኽበሉ ኢኻ።
2 ብዛዕባ እቶም ክፍሊ ዝወስዱን እንጥቀመሉ ጽሑፋትን ዝገልጽ መምርሒታት ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ን2000 ዝኸውን መደብ ቤት ትምህርቲ ተዘርዚሩ ኣሎ። ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ እተመደበ ግዜ: ምንጪ ጽሑፍ: እቲ ክፍሊ ብኸመይ ክቐርብ ከም ዘለዎ: ከምኡውን ካልእ ዝርዝር ነገራት ተሓቢሩ ኣሎ። በጃኻ ግዜ ወሲድካ ነቲ መምርሒታት ተጠንቂቕካ ኣንብቦ: ኣብ ግብሪ ኸኣ ኣውዕሎ።
3 ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኣብቲ መደብ ናይዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ነቲ ኣብ ሰሰሙን ዝግበር ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝኸውን ክልተ እተፈላለየ መደባት ኣሎ። እቲ ቀዳማይ: ኣብ ሓደ እዋን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሙሽተ ገጽ ኣቢሉ ዝሽፍን ቀጻሊ መደብ ንባብ ኢዩ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሑ ሓሳባት ኣብዚ እተመርኰሰ ኢዩ። እቲ ካልኣይ መደብ ንባብ ተወሳኺ ኢዩ: ናይቲ ቀዳማይ ዕጽፊ ኣቢሉ ዝኸውን ድማ ኢዩ። ነዚ መደብ እዚ ብምክትታል: ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰለስተ ዓመት ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ። ገለ ሰባት ካብቲ ኣብዚ ተወሳኺ መደብ ወጺኡ ዘሎ ዝበዝሕ ምዕራፋት ከንብቡ ከም ዝደልዩ: ገለ ካልኦት ከኣ ነዚ መደብ እዚ ክከታተልዎ ከም ዘይክእሉ ዝፍለጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ንገዛእ ርስኻ ምስ ካልኦት ኣብ ክንዲ እተወዳድር: በቲ ክትገብሮ እትኽእል ነገር ባህ ይበልካ። (ገላ. 6:4) እቲ ኣገዳሲ ነገር ቃል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ምንባብ ኢዩ።—መዝ. 1:1-3
4 ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክትምዝገብ እንተድኣ ደሊኻ: ነቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣዘራርቦ። በጃኻ ንዝወሃበካ ክፍሊ ኣርዚንካ ርኣዮ: ኣብታ ክፍሊ ዘላትካ መዓልቲ ኸኣ ብዘይረብሕ ምኽንያት ኣይተብኵር ወይ ካልእ ሰብ ከም ዘቕርባ ኣይትግበር። ካብ የሆዋ እተገብረልና ምድላው ከም ምዃኑ መጠን ሞሳኻ ኣርኢ። ብግቡእ ተዳሎ: ነቲ እተዋህበካ ክፍሊ ኣጸቢቕካ መርምሮ: ከምኡውን ልባዊ መግለጺታት ተጠቐም፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ካብዚ ፍልይ ዝበለ መደብ እዚ ምሉእ ብምሉእ ክትጥቀም ኢኻ።