ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/00 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 8 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
  • 15 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
  • 22 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
  • 29 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
  • 5 ሰነ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 5/00 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

8 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 125

12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤን ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹን ምልክታታት። እቲ ናይ ዞባ ኣገልጋሊ ኣብ ወፍሪ ናይ ፍሉይ ዞባ እንታይ ከም እተዓየ ከምኡውን ብሕጂ ክዕየ ዘለዎ ነገር ከም ዝገልጽ ግበር። ድሕርዚ ኵሎም ኣስፋሕቲ ዞባታት ኣብ ምሽፋን እጃሞም ከበርክቱ ኣተባብዕ። ንኣገልግሎት ክንከይድ ከሎና ናይ ቀደም መጽሔታት ንሕዝዶ ኢና፧ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር ኣጋጣሚታት ኣብ እንደልየሉ እዋን ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ንጥቀመላዶ ኢና፧

15 ደቒቕ:- “ካብቲ ቕዱስ ኣገልግሎትካ ሓጐስ ምርካብ።” ብዝርርብ ዝቐርብ። ኣብ ኣገልግሎትና ሓጐስ እንረኽበሉ ምኽንያታት ግለጽ።​—⁠ኢንሳይት (እንግሊዝኛ) ጥራዝ 2 ገጽ 120 ርአ።

18 ደቒቕ:- ሓደ ሽማግለ ኣብታ “ኣኽቢርካ ዝርአ ናይ ቅዱስ ኣገልግሎት መሰላት” እትብል ኣርእስቲ ተሞርኲሱ ዝርርብ ይህብ። ካብታ ናይ 1 ነሓሰ 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 25-29 ምስታ ጉባኤ ዝሰማማዕ ተግባራዊ ሓሳባት መሪጽካ ሃብ። ስድራቤታት ሓደ ካብ ኣባል እታ ስድራ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኰይኑ ንኸገልግል መገድታት ክደልያ ኣተባብዕ። እተጠምቁ ኣሕዋት ኣብ ጉባኤ ንዘሎ መሰላት ክመጣጠሩ ከም ዘለዎም እውን ጥቐስ።

መዝሙር 201ን መዕጸዊ ጸሎትን

15 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 134

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

15 ደቒቕ:- “ብዛዕባ ናይ ስነ⁠-​ስርዓት ቀብሪ ልምድታት ክህሉ ዝግባእ ክርስትያናዊ ኣረኣእያ:” ኣብ ናይ 15 ሓምለ 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 20 ከምኡውን 22-24 እተመርኰሰ። ቀሊል ስነ⁠-​ስርዓት ቀብሪ ምግባር ከምኡውን እቶም ሓዘንተኛታት ነቲ ኣቐዲሞም ዝገብርዎ ዝነበሩ ከም ኣብ ኣኼባታትን ግራት ኣገልግሎትን ምክፋል ዝኣመሰለ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ከይተደናጐዩ ክቕጽልዎ ኣድላዪ ምዃኑ ብምግላጽ ምስቲ ከባቢኹም ብዝሰማማዕ መገዲ ኣቕርቦ። ነታ ኣብ ገጽ 23 ዘላ ናይ መወዳእታ ሕጡብ ጽሑፍን ነተን ኣብ ገጽ 24 ዘለዋ ናይ መወዳእታ ክልተ ሕጡብ ጽሑፍን ኣጕልሕ። ምሉእ ለይቲ ሬሳ እናሓለኻ ዝግበር ጽምብል እንተድኣ ኣሎ ዀይኑ ድማ እቲ ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሓሳባት ክሽፈን ይከኣል ኢዩ።

20 ደቒቕ:- ሓደ ሽማግለ ኣብታ ናይ 15 ለካቲት 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 9-12 እትርከብ “ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝሓበራ ብዙሓት ውሉዳት ዘለዉወን ስድራቤታት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተመርኲሱ ዘቕርቦ ዝርርብ። ስድራቤታት ብኸመይ ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ክገብራን ናብ መንፈሳዊ ሸቶ ከተኵራን ከም ዝኽእላ ግለጽ። ንናይ መዕጸዊ ድግማ ሰለስተ ደቒቕ ዝኸውን ኣትርፍ።

መዝሙር 203ን መዕጸዊ ጸሎትን

22 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 36

12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነታ ሕቶ ሳጹን ኣቕርባ።

20 ደቒቕ:- “ ‘ንቕሑ።’ ” ብሕቶን መልስን ዝቐርብ ምይይጥ። ነታ መዓልትን ሰዓትን እኳ እንተ ዘይፈለጥናያ ብመንፈስ ነቒሕና ምጽናሕ ዘየላቡ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑ ግለጽ።​—⁠1 ሕዳር 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 20 ርአ።

13 ደቒቕ:- “ ‘ይመርመሩ’​—⁠ብኸመይ፧” ብሓደ ሽማግለ ዝቐርብ ዝርርብ። ኣብ ጉባኤታት ኣገልገልቲ ጉባኤ ከም ዝህልዉ እተገብረሉ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምድላው ግለጽ። (ኢንሳይት [እንግሊዝኛ] ጥራዝ 2 ገጽ 409 ርአ።) ኣብዚ መዝነት እዚ ንኽበጽሑ እንታይ ብቕዓታት ከማልኡ ከም ዘለዎም ሓብር። (መጽሓፍ ኣገልግሎትና [እንግሊዝኛ] ገጽ 55-7 ርአ።) ኣገልገልቲ ጉባኤ ከገልግልሉ ዝኽእሉ መገድታት ጥቐስ: ብዙሓት ኣሕዋት ነዚ መሰል እዚ ክመጣጠሩ ድማ ኣተባብዕ።

መዝሙር 83ን መዕጸዊ ጸሎትን

29 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 135

12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኵሎም ናይ ግንቦት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽሮም። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰነ ዝዕደል ጽሑፍ ሓጺር መርኣያ ኣቕርብ። በቲ ኣብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ዘሎ ትምህርቲ 13 ተጠቒምካ ካልእ ሰብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽገብር ብኸመይ ክትዕድሞ ከም እትኽእል ግለጽ።

15 ደቒቕ:- ኣብታ ናይ 15 መጋቢት 1999 ገጽ 21-23 እትርከብ “ብጭንቀት ኣይትወሓጥ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተመርኲሱ ዝቐርብ ዝርርብ። ምስ ክዉን ነገራት ኣሰማሚዕካ ኣቕርቦ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ቀንዲ ነጥብታት ግለጽ።

18 ደቒቕ:- ዓስቢ ዘለዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ። ኣብታ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 34-5 ቍጽሪ 6-7 ተመርኲሱ ብዝርርብን መርኣያን ዝቐርብ። እቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሑ ሓሳባት እተመርኰሰሉ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ: ክፍሊ ስርዓተ⁠-​ትምህርቲ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኢዩ። ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ነቲ ቤት ትምህርቲ ካብ እተዳለወ ሰሙናዊ ንባብ ሓደ ክፋሉ ብኸመይ ሓቢሮም ከም ዝመያየጥሉ መርኣያ ከም ዘቕርቡ ግበር። ሓደ ወይ ክልተ ዘገድስ ነጥብታት ብምሓዝ ኣብ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ወይ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ዝበሃል መጻሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ምርምር ይገብሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ‘እቲ ቃል ሓቂ ብቕንዕና እነማቕል’ ምእንቲ ክንከውን ብዝሓሸ መገዲ ከም እንዕጠቕ ብምግባር ብኸመይ ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ከም ዝኸውን ግለጽ።​—⁠2 ጢሞ. 2:⁠15

መዝሙር 95ን መዕጸዊ ጸሎትን

5 ሰነ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 37

5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

12 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

15 ደቒቕ:- “ንነኣሽቱ ዝኸውን መሰል።” ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 13 ቍጽሪ 15 ዝርከብ ተመክሮታት ኣዘንቱ። ንኣሽቱ ቘልዑ መጽሔታት ምዕዳል ብኸመይ ከም ዘሐጐሶም ከዘንትዉ ዓድሞም። ሓደ ወይ ክልተ መንእሰያት ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ብቐሊል መእተዊ መጽሔት ክዕድሉ ከለዉ ብመርኣያ ከም ዘቕርቡ ግበር። ወለዲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን መጽሔት ክዕድሉ ኸለዉ ንደቆም ተማሊኦምዎም ክኸዱ ኣተባብዓዮም።

13 ደቒቕ:- ካብ ቤት ትምህርቲ ኣብ እተዕርፈሉ ኣዋርሕ እንታይ ክትገብር መዲብካ ኣሎኻ፧ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ኣብዘን ኣዋርሕ እዚኣተን እንታይ ከም ዝገብሩ ይመያየጡ። ብዛዕባ ናይ መንፈሳዊ ጽሑፋት መደብ ብሕታዊ መጽናዕቲ ከምኡውን ንሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣዋርሕ ሓጋዚ ፓይነር ብዛዕባ ምዃን ይዘራረቡ። ጽቡቕ ትርኢት ናብ ዘለዎ መናፈሻ ምኻድ ወይ ኣብ ካልእ ጥዑይ መዘናግዒ ናይ ምክፋል ኣጋጣሚ እውን ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ንቲኦክራሲያዊ ንጥፈታቶም ሸለል ከይብሉ ይሰማምዑ።

መዝሙር 82ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ