ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/00 ገጽ 2
  • ብዅሉ ቋንቋታት ብስራት ኣካፍል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዅሉ ቋንቋታት ብስራት ኣካፍል
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 6/00 ገጽ 2

ብዅሉ ቋንቋታት ብስራት ኣካፍል

እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣኽል⁠-​ታርፍ መንፈሳዊ መግቢ ብምቕራብ ልግሲ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ኣንጸባሪቑ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብልዕሊ 300 ቋንቋታት ጽሑፋት ኣዳልዩ ኢዩ። ንኻልኦት ብስራት ከነካፍሎም ከሎና ነቲ ንምድላዉ ብዙሕ ግዜ: ጻዕሪ: ከምኡውን ወጻኢ ዝሃለኸሉ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዝ ጽሑፋት ብግቡእ ክንጥቀመሉ ንደሊ ኢና። ናይ ማሕበር ጽሑፋት ብምንባብን ምጽናዕን ክሳዕ ክንደይ ከም እተጠቐምና ስለ እንፈልጥ: ነቲ እተማሃርናዮ ነገራት ብዘይ​ጥርጥር ንኻልኦት ከነካፍሎም ንደሊ ኢና። (እብ. 13:⁠15, 16) ስለዚ: በቲ ኣብ ዞባና ዝርከብ ቋንቋታት እተዳለወ እተፈላለየ እኹል ጽሑፋት ክንሕዝ ኣሎና። እዚ ክበሃል ከሎ ብትግርኛ ጥራይ ዘይኰነስ ብኻልእ ቋንቋታት እተዳለወ ጽሑፋት ክንማላእ ከም መደብ ገይርና ክንሕዞ ኣሎና ማለት ኢዩ።

እንተ ወሓደ ከም ብምንባር ተሐጎሱ እትበሃል ብሮሹርን ገለ ትራክትታትን ብእተፈላለየ ቋንቋታት ስለ ዘሎና ንሕጐስ ኢና። ኣብቲ ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ሰባት ዝርከብዎ ዞባታት ከነገልግል ከሎና: እቲ ንቓል ኣምላኽ ጽምኢ ዘለዎ ሰብ ብቛንቋኡ እተዳለወ ጽሑፍ ተሓጒሱ ይቕበል ኢዩ። እዚ ንገዛእ ርእሱ የሆዋን ህዝቡን ኣብ ናይ ካልኦት ድሕንነት ዘለዎም ፍቕራዊ ተገዳስነት ዘርኢ ጽቡቕ ምስክርነት ኢዩ።

ስለዚ ኣብ ዞባና ዝርከቡ ሰባት ብዝዛረብዎ ቋንቋታት እተዳለወ ጽሑፋት ካባና ብዘይ​ምፍላይን ንሰባት ብምዕዳልን ብእተኻእለና መጠን ኣብ ዕዮ ስብከትና ሰናይ ነገር ንፈጽም።​—⁠1 ቈረ. 9:⁠22ለ, 23

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ