ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/02 ገጽ 7
  • ንወርሓት መርዓ ዝኸውን መዘኻኸሪታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንወርሓት መርዓ ዝኸውን መዘኻኸሪታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 1/02 ገጽ 7

ንወርሓት መርዓ ዝኸውን መዘኻኸሪታት

ክርስትያናዊ መርዓ ንየሆዋ ኽብሪ ዘምጽእን ንኣምልኾና እኹል ግዜ ንኽንዕድግ ዘኽእለናን ምእንቲ ክኸውን ኣቐዲሙ ኣብ ዝወጸ ጽሑፋትና ጽቡቕ ማዕዳታት ተዋሂቡ ነይሩ። ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ትዝክሮዶ፧ ካብ ናይ 15 ሚያዝያ 1997 ገጽ 23-26፣ ናይ 15 ሚያዝያ 1984 (እንግሊዝኛ) ገጽ 10-22፣ ከምኡውን ናይ 1 ግንቦት 2000 ገጽ 19-22 ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ እተወስደ ኢዩ።

• መርዓ ግድን ኣብቲ ባህላዊ ወርሓት መርዓ ምግባርዶ የድሊ ኢዩ፧

• እቶም እተዓደሙ ኣብ ምጽባይ ግዜኦም ምእንቲ ኸየጥፍኡ: እቶም ሰብ ውራይ ግዜኦም ዝሕልዉ ድዮም፧

• ነቲ ድግስ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ናይ መርዓ ዝርርብ እውን ናይ ዕድመ ወረቐት ተዓዲሉ ድዩ፧

• መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብቲ ድግስ እተዓደሙ መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ድዮም፧

• እቶም ሰኣልቲ ግቡእ ክዳን ተኸዲኖም ንኽመጹን ነቲ ተዛራባይ ወይ ነቶም ተኣከብቲ ንኸይርብሹን መምርሒ ተዋሂብዎም ድዩ፧

• እቲ መርዓ ዝካየደሉ ሰዓታት ንንጥፈታት ጉባኤ ዘይዓናቕፍ ድዩ፧

• እቶም ዕዱማት ኣብቲ ውራይ እተወገደ ውልቀ⁠-​ሰብ ንኸይረኽቡ ስጕምቲ ተወሲዱዶ ኢዩ፧

• ነቲ መጠንና ኽንሕሉን ንርኣዩለይ ገንዘብ ከይንዘሩን ዝገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ኣብ ኣእምሮና ሒዝናዮዶ ኣሎና፧

• ሙዚቃ ኽህሉ እንተድኣ ዀይኑ እቲ ግቡእ ዓይነት ተመሪጹ ድዩ: ድምጺ ናይቲ ሙዚቃኸ ኣብ ሓደ ጣውላ ዘለዉ ሰባት ንኸዕልሉ ዘኽእሎም ድዩ፧

• ኣልኮላዊ መስተ ኽህሉ እንተድኣ ዀይኑ ቍጽጽር ክግበረሉ ድዩ: ብዓቐን ድዩኸ ዝቐርብ፧

• ሳዕስዒት እንተ ተፈቒዱ: ክብርኻ ዘየሕስር ድዩ ክኸውን፧

• እቲ ናይ መርዓ ስነ⁠-​ስርዓት ዝውድኣሉ ግቡእ ግዜ ተመዲቡ ድዩ: ነዚ ኽሳዕ መወዳእታ ኽቈጻጸር ሓላፍነት እተዋህቦ ሰብከ ኽህሉ ድዩ፧

• ዓለማውያን ናብ መርዓኦም እንተድኣ ዓዲሞምና: ኣብ ከም ኤፌሶን 5:​15, 16፣ 1 ቈረንቶስ 15:⁠33፣ ከምኡውን ፊልጲ 1:⁠10 ዘሎ ስርዓታት ንሓስበሉ ዲና፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ