ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ መጋቢት:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ኽግበር ኢዩ። ሚያዝያን ግንቦትን:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ!። ኣስፋሕቲ ነቶም ሰብ ቤት እንተ ደልዮም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ወፈያ ኽገብሩ ኸም ዝኽእሉ ኽገልጹሎም ኣለዎም። ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ እንተ ተረኺቡ: ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣበርክተሉ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ድማ ፍሉይ ጻዕሪ ግበር። ሰነ:- ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ወይ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። እዚ ጽሑፋት እዚ ንዘለዎም ሰብ ቤት ካብቲ እታ ጉባኤ ኣብ መኽዘን ዘለዋ ብሮሹር ኣበርክተሎም።
◼ እቶም ኣብ ሚያዝያ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ዝደልዩ ኣስፋሕቲ: ካብ ሕጂ መደብ ክገብሩን ቀልጢፎም መሕተቲ ቕጥዒ ኽመልኡን ኣለዎም። እዚ ነቶም ሽማግለታት ዘድሊ ናይ ግራት ኣገልግሎት ምድላዋት ክገብሩ ከምኡውን እኹል መጽሔታትን ካልእ ጽሑፋትን ክቕርቡ ይሕግዞም ኢዩ። ኣስማት ናይ ኵሎም እቶም ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ እተፈቕደሎም ነታ ጉባኤ ኽንገር ኣለዎ።
◼ በዓል ዝኽሪ ሓሙስ 28 መጋቢት 2002 ክውዕል ኢዩ። ጉባኤኹም ሓሙስ ኣኼባ እንተ ኣለዋ: እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ናጻ ኣብ ዝዀነሉ ኻልእ መዓልቲ ኽቕየር ኣለዎ። እዚ ዘይከኣል እንተ ዀይኑን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ እንተ ተተንኪፉን: ንጉባኤኹም ብፍላይ ዝጠቅም ክፍልታት ኣብ ካልእ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ይወሰድ።
◼ ማሕበር ነቲ ኣስፋሕቲ ብብሕቶም ዝገብርዎ ናይ ጽሑፍ ትእዛዝ ከተማልእ ኣይትኽእልን ኢያ። እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ እቶም ናይ ብሕቶም ጽሑፍ ክለኣኸሎም ዝደልዩ ነቲ ጽሑፋት ዝሕዝ ሓው እቲ ብብሕቶም ዝደልይዎ ጽሑፋት ምእንቲ ኽነግርዎ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ቕድሚ እቲ ናይ ጉባኤ ወርሓዊ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ናብ ማሕበር ምልኣኹ ምልክታ ኸም ዝንገር ክገብር ይግብኦ። ብፍሉይ ትእዛዝ ዝመጽእ ጽሑፋት ኣየናይ ምዃኑ በጃኹም ኣይትረስዑ።
◼ ቍጽሪ ተሌፎን ክፍሊ ምልኣኽ ጽሑፋት ናብ 63 26 87 ተቐዪሩ ኣሎ።
◼ ኣብ መኽዘን ዝመጸ ሓድሽ:- እንግሊዝኛ:- ኢንደክስ 1986-2000 (ሓደ ጥራዝ)፣ ዉድ ዩ ላይክ ቱ ኖው ሞር ኣባውት ዘ ባይብል፧ (ትራክት ቍ. 26)፣ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር 2002። ፈረንሳይኛ:- ኣውደ-ኣዋርሕ 2002፣ ዉድ ዩ ላይክ ቱ ኖው ሞር ኣባውት ዘ ባይብል፣ (ትራክት ቍ. 26)። ትግርኛ:- ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር።
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ዝመጸ:- ኣምሓርኛ:- መጽሓፈይ፣ ዘ ባይብል—ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ፧፣ ሲንግ ፕረይዝስ፣ ኣምላኽ ይግደስዶ ኢዩ፧፣ ምስ ሞትና፣ ሉክ!፣ ዕላማ ህይወት፣ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ። እንግሊዝኛ:- ትንቢት ዳንኤል፣ ኮንኮርዳንስ፣ ሉክ!፣ ስላሴ፣ ኣዋር ፕሮብለምስ፣ ኣምላኽ ይግደስዶ እዩ፧። ኦሮምኛ:- ብቕዓት።