ምስትውዓል እትህብን እተነቓቕሕን ቪድዮ!
እዋኑ ሚያዝያ 1951 እዩ ነይሩ። በሽሓት ዝቝጸሩ ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ሕብረት ሶቭየት ነበር እተኣከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ቈልዓ ሰበይቲ እውን ከይተረፉ: ብባቡር ናብ ሳይበርያ ተወሲዶም ተሓየሩ። እቲ ሓያል መንግስቲ ሶቭየት ከጥፍኦም ዝወሰነ ስለምንታይ እዩ፧ ነቶም ኣሕዋት ንሓያሎ ዓመታት ብዘይምቍራጽ መስጐጕቲ እኳ እንተ ወረዶም: ክዋጽኡሉን ክስስኑን ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ መልሲ ናይዚ ኣብታ ፈይዝፉል ኣንደር ትሪያልስ—ጂሆቫስ ዊትነስስ ኢን ዘ ሶቭየት ዩኒየን ዘርእስታ ቪድዮ ካሴት (እንግሊዝኛ) ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ነታ ቪድዮ ርኣያ: እቲ ኣብኡ ዘሎ ትምህርቲ ኸኣ ዝመጸ እንተ መጸ ንየሆዋ እሙን ንኽትከውን ክድርኸካ ኣፍቅደሉ።
ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልሶዶ ትኽእል፧ (1) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሩስያ ተፈላጥነት ዝረኸቡ መዓስ እዮም፧ (2) ቅድሚ ኻልኣይ ውግእ ዓለምን ድሕሪኡን: ኣብ ሕብረት ሶቭየት በሽሓት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራቤታት ክህልዉ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ (3) እምነቶም ምስ ፍልስፍና ለኒን ብቐጥታ ዝጻረር ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (4) ኦፐሬሽን ኖርዝ ወይ ስርሒት ሰሜን እንታይ እዩ ነይሩ: በዚ ኣቢሉኸ ስታሊን እንታይ ክገብር እዩ ሓሊኑ፧ (5) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሕየሩ ኸለዉ እንታይ ነገራት እዮም ስኢኖም: ንኸይሕየሩኸ እንታይ ክገብሩ እዮም ተሓቲቶም፧ (6) ኣብቲ ናብ ሳይበርያ ዝወስድ ነዊሕ ጕዕዞ: ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንሓድሕዶም እተተባብዑን ነቶም ዝኣሰርዎም ክሳዕ ዝድነቑ ዝገበርዎምን ብኸመይ እዮም፧ (7) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሳይበርያ እንታይ ጸበባ እዮም ኣሕሊፎም፧ (8) ህዝቢ የሆዋ ኣኽቢሮም ዝርእይዎ መንፈሳዊ ምድላው እንታይ እዩ: ስለምንታይከ፧ (9) ኣሕዋትና ጽሑፋት ንኽረኽቡ ኢሎም ህይወቶም እውን ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ ስለምንታይ እዮም: እቶም ሰበ-ስልጣን ጽሑፋት ንኸይበጽሖም ኢሎም ዝገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪ ዘሰነፍዎኸ ብኸመይ እዮም፧ (10) ክሩሽቸፍ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ምውራድ ዝቐጸለ ብኸመይ እዩ፧ (11) እቶም ሰበ-ስልጣን ንእምነት ናይቶም ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከጥፍኡ ዝጸዓሩ ብኸመይ እዮም፧ (12) ኣሕዋትና ብዛዕባ ምኽንያት ናይቲ ዝወርዶም ዝነበረ መስጐጕቲ እንታይ ንጹር ምርዳእ እዩ ነይርዎም፧ (ናይ 2002 ዓመት መጽሓፍ ገጽ 203-4 እንግሊዝኛ) (13) እቲ ኣብ ማሕበር ኣምላኽ እተገብረ ጽዑቕ መጥቃዕቲ: ውጽኢቱ ኸምቲ እቶም ሰጐግቲ ዝሓለንዎ ዘይኰነስ ብኣንጻሩ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ናይ 2002 ዓመት መጽሓፍ ገጽ 220-1) (14) ነቶም ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓደ እዋን ሕልሚ ዝመስሎም ዝነበረ ሕጂ ግን ጋህዲ ዝዀነሎም ነገር እንታይ እዩ፧ (15) ኣሕዋትና ነቲ ፈተናታት ጸኒዖም ከሕልፍዎ ዝሓገዞም እንታይ እዩ ነይሩ: እቲ ናይ መወዳእታ ኽፋል ናይታ ቪድዮኸ ንሓቅነት ናይ ኤርምያስ 1:19 ዝገልጾ ብኸመይ እዩ፧ (16) ንዓኻ ብፍላይ ዝተንከፈካ ኣብ ትሕቲ ፈተና ብተኣማንነት ብዛዕባ ምጽናዕ ዝገልጽ ሓደ ናይ ሓቂ ተመክሮ ኣዘንቱ።