ዜና ህንጸት
ኣብ ዝሓለፈ ክራማት እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ሓድሽ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትን መአከቢ ዓበይቲ ኣኼባታትን ጽቡቕ ሰጒሙ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ኽልቲኡ ህንጻታት ናሕሲ እተገብረሉ ዀይኑ: ዝበዝሕ ካብዚ ማዕጾታትን መሳዅትን እውን ተገጢሙሉ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ዝግበር ናይ መወዳእታ ስራሓት: ነቲ መአከቢ ዓበይቲ ኣኼባታት ዝኸውን ዓይኒ ምድሪ: ከምኡውን ረሳሕ ፈሳሲ ዝሕዝ ጕድጓድ ብሕጂ ኽዕየ እዩ። እዚ ኣብዛ ሕታም እዚኣ ወጺኡ ዘሎ ስእልታት ኣብ ወርሒ መስከረም እተሳእለ እዩ። እቲ ዕዮ ህንጸት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሰጐመ ኽሕብረኩም ይኽእል እዩ። ኣብ ዝቕጽል ግንቦት ክንዛዝሞ መደብ ጌርና ኣሎና። ነዚ ህንጻታት እዚ እንጥቀመሉ እዋን ብሃንቀውታ ኢና እንጽበ: ንጸሎትኩም ኰነ ብገንዘብ ንእትገብርዎ ደገፍ ድማ ነማስወሉ ኢና።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ሓድሽ ቤት ጽሕፈትን መንበርን
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ጨንፈር ቤት ጽሕፈትን መአከቢ ዓበይቲ ኣኼባታትን