ንጹህን ዚነኣድን ኣከዳድና
1. ንኣውራጃዊ ኣኼባ ኽንቀራረብ ከለና ብዛዕባ ኣከዳድናና ኽንሓስበሉ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧
1 ሓደ ኣብ ሆቴል ዚሰርሕ ሰብኣይ ዓሚ ኣብ ሓደ ኣውራጃዊ ኣኼባ ብዛዕባ እተኣከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኪዛረብ ከሎ: “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝዮም ጥዑያት ሰባት እዮም! ለዋሃትን ብግቡእ እተኸድኑን ንሰባት ዜኽብሩን እዮም” በለ። ኣብ ካልእ ኣውራጃዊ ኣኼባ ድማ ሓንቲ ናይ ሆቴል ሰራሕተኛ “ኣከዳድናኹም ንኣምላኽ ኢልኩም ከም እትገብርዎ ርኡይ እዩ” በለት። እወ: ሰባት ነቶም ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዚእከቡ የስተብህሉሎም እዮም። ስለዚ: ኣከዳድናና “ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ”ን ካልኦት ንኺንእዱና ዚድርኾምን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ዝዀንና ድማ ዜርእን ኪኸውን ኣለዎ። (ፊል. 1:27) ንኣውራጃዊ ኣኼባ እንታይ ከም እንኽደን ኣቐዲምና ኽንሓስበሉ ይግባእ።
2. ብትርኢትና ንጹሃት ንኸይንኸውን እንታይ ጸገም የጋጥመና፧
2 ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእ. 3:17) ብትርኢትና ንጹሃት ምዃን የጸግመና ይኸውን። እዛ ሰይጣን ዚገዝኣ ዘሎ ብስነ-ምግባር እተባላሸወት ዓለም ሰባት ሕንኪ ዘይብሉ: ስጋዊ ትምኒት ዜለዓዕል: ከምኡውን ቅጥዒ ዘይብሉ ኽዳውንቲ ኺገብሩ ትጸልዎም እያ። (1 ዮሃ. 2:15-17) ስለዚ: ነከዳድናናን ትርኢትናን ብዚምልከት: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር” ዚምህረና ማዕዳ ንስማዕ። (ቲቶ. 2:12) ኣሕዋትና ይኹኑ ወይ ሰራሕተኛታት ቤት ምግብን ሆቴልን ወይ ካልኦት ሰባት ብዘየገድስ በከዳድናና ኽንዕንቅፎም ኣይንደልን ኢና።—1 ቈረ. 10:32, 33
3. ብዛዕባ ኣከዳድናና ንርእስና እንታይ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና፧
3 ሕንኪ ዘለዎን ግቡእን ክዳን:- ናብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ንምኻድ ክትቐራረብ ከለኻ: ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት:- ‘ኣከዳድናይ ግቡእ ድዩ ወይስ ዘየድሊ ቘላሕታ ዚስሕብ፧ ንስምዒት ካልኦት ዘይጐድእ ድዩ፧ ካምቻይ ከብዲ ዜርኢ ወይ ድማ ኣፍ ልቡ ኣጸቢቑ ኸፋት ድዩ፧ ቀምሸይ ኣካላት ዜርኢ ወይ ጥብቕ ዝበለ ድዩ፧ ክዳውንተይ ጽሩይን ሕማቕ ሽታ ዜይብሉን ድዩ፧ ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ኣከዳድናይ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንኽህብ ዜሕፍረኒ ድዩ፧’—ሮሜ. 15:2, 3፣ 1 ጢሞ. 2:9
4. ንጹህ ኣከዳድና ንኺህልወና ኻልኦት ብኸመይ ኪሕግዙና ይኽእሉ፧
4 ብሱላት ክርስትያናት ካብ ዚህቡና ርእይቶ እውን ክንጥቐም ንኽእል ኢና። ኣንስቲ: ካልኦት ሰባት ነከዳድናአን ብኸመይ ከም ዚርእይዎ ንሰብኡተን ኪሓታ ኣለወን። ክርስትያን ወለዲ እውን ንኰተቴ ደቆም በዚ መዳይ እዚ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺውን: ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ብዕድመ ዓበይቲ ኣሓት “ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ: እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ. .. [በከዳድነአን] ነፍሰን ዚቐጽዓ: ንጹሃት . . . ኪዀና ኼለብማኤን” ይኽእላ እየን። (ቲቶ. 2:3-5) መጽሔታትና ድማ ሕንኪ ዘለዎን ግቡእን ኣከዳድና ኺህልወና ዚሕግዘና ስእልታት የውጽኣ እየን።
5. ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ: ኵላትና ብኸመይ ንየሆዋ ኽብሪ ኸነምጽኣሉ ንኽእል፧
5 ንየሆዋ ኽብሪ ኣምጽኡ:- ኣውራጃዊ ኣኼባታትና ነቶም ኣብቲ ኣብኡ ዚሳተፉ ጥራይ ዘይኰነስ ኵላትና ንየሆዋ ኽብሪ ንምምጻእ ፍሉይ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። እወ: ክርስትያናዊ ጠባይናን ኣዘራርባናን ክብሪ የምጽኣሉ እዩ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ኣከዳድናናን ኣብ ትርኢትናን እዮም ፈለማ ዜተኵሩ። እምበኣር ኵላትና ብንጹህን ዚነኣድን ኣከዳድናና ንየሆዋ ኽብሪ ነምጽኣሉ።—መዝ. 148:12, 13
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ዚነኣድ ኣከዳድና ንኺህልወና ዚሕግዘና:-
◼ ቃል ኣምላኽ
◼ ርእስና ምምርማር
◼ ካልኦት ዚህቡና ርእይቶ
◼ ክርስትያናዊ ጽሑፋት