ሕቶ ሳጹን
◼ ንዝዀነ ይኹን ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ብኸመይ ኢና ኽንፍጽሞ ዘሎና፧
ጉባኤ ህዝቢ የሆዋ ብስርዓትን በገባብን ክትዓዪ ዝኸኣለት ናይ ሓባር ጻዕሪ ስለ እተገብረ እዩ። (1 ቈረ. 14:33, 40) ሓንቲ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ጥራይ ንገዛእ ርእሳ እንታይ ከም እተጠቓልል እሞ ሕስብ ኣብል! ኣብ ርእሲ እቲ ዚውሃብ ትምህርትታ: እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩን ድሕሪ ምውድኡን ኣሕዋትን ኣሓትን ዚዓይዎ ብዙሕ ዕዮታት ኣሎ። እቲ ኻልኦት ሰባት ዘይርእይዎ ዚዕመም ዕዮታት እውን ኣገዳስነት ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍና ኣብዚ ምድላዋት እዚ እጃምና ኸነበርክት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ንምሕጋዝ ድሉው ኩን። እቶም ብፍታው ኪዓዩ ዝደልዩ ሰባት ብዙሕ ነገራት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። (መዝ. 110:3) ንሕሙማትን ኣረጋውያንን ሓልዮት የርእዩ። ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምጽራይ ይሕግዙ። ንሕናውን ግበርዎ ኸይተበሃልና ኽንገብሮ እንኽእል ብዙሕ ጠቓሚ ዕዮታት ኣሎ። ናይ ምሕጋዝ ድሌት ጥራይ እዩ ኺህልወና ዘለዎ።
ብትሕትና ኣገልግል። ትሑታት ሰባት ንኻልኦት ምግልጋል ደስ እዩ ዚብሎም። (ሉቃ. 9:48) ትሕትና ኽንጾሮ ዘይንኽእል ሓላፍነታት ከይንቕበልን ካብ ደረት ስልጣንና ኸይንሓልፍን ትሕልወና እያ።—ምሳ. 11:2
እሙን ኩን። ሙሴ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ሓላፍነታት ዚስከሙ ‘እሙናት ሰባት’ ኪሓሪ ተነጊርዎ ነበረ። (ዘጸ. 18:21) እዛ ባህሪ እዚኣ ሎሚ እውን ተደላዪት እያ። ንነፍሲ ወከፍ እተዋህበካ ስራሕ ብተገዳስነት ዕየዮ። (ሉቃ. 16:10) ዘይጥዕመካ እንተደኣ ዀይኑ: ኣብ ዘየለኻሉ እዋን ካልእ ሰብ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ ምእንቲ ኺዓዮ ኣድላዪ ምድላዋት ግበር።
ዚከኣለካ ግበር። ክርስትያናት ኣብ ዓለማዊ ስራሕ እውን ከይተረፈ ኻብ ልቢ እዮም ዚሰርሑ። (ቈሎ. 3:22-24) ሓቀኛ ኣምልኾ ኣብ ምድንፋዕ እሞ ኸኣ ካብዚ ንላዕሊ ንምግባር ዝዓበየ ምኽንያት ኣሎና። ሓደ ስራሕ ትሑት ወይውን ኣብ ግምት ዘይኣቱ መሲሉ እንተ ተራእየ እውን ከይተረፈ: ብጽቡቕ ምስ ዚሰላሰል ነታ ጉባኤ በረኸት እዩ ዜምጽኣላ።
ነፍሲ ወከፍ ዕዮ ንየሆዋን ነሕዋትናን ዘሎና ፍቕሪ ኸነርእየሉ እንኽእል ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልና። (ማቴ. 22:37-39) ሃየ እምበኣር: ንዝዀነ ይኹን ብሕድሪ እተዋህበና ዕዮ ብተኣማንነት ንፈጽሞ።