ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/05 ገጽ 7
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 2/05 ገጽ 7

ምልክታታት

◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ለካቲት:- እታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ክትዕደል እያ። መጋቢት:- እታ ንቑሕ ኩን ዘርእስታ ብሮሹር ክትዕደል እያ። ሚያዝያን ግንቦትን:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ!

◼ እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሓው 1 መጋቢት ወይ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ኪምርምሮ ኣለዎ። ንመጸገኒ ወይ ንመስርሒ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተባሂሉ እተፈልየ ናይ ባንክ ሕሳብ እንተሎ እዚ ሕሳብ እዚ እውን ኪምርመር ኣለዎ። እቲ ሕሳብ ምስ ተመርመረ: ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዚህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ኺንገራ ኣለዎ።

◼ እቲ ጸሓፍን እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን ናይ ኵሎም ስርዓታውያን ፓይነራት ንጥፈታት ኪምርምርዎ ኣለዎም። ነቲ ዜድሊ ሰዓታት ኣብ ምምላእ ሽግር ዘለዎ ምስ ዚህሉ: እቶም ሽማግለታት ንምሕጋዙ መደብ ኪገብሩ ኣለዎም። ብዛዕባ እዚ ሓሳባት ንምርካብ ነቲ ኻብ ማሕበር ዚለኣኽ ዓመታዊ ደብዳበታት S-201 ርኣዩ።

◼ እቲ ናይ 2005 በዓል ዝኽሪ ኣብ ዚግበረሉ ወቕቲ ዚወሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ “የሱስ ኪሳቐን ኪመውትን ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧” ዚብል እዩ። ምስዚ እተተሓሓዘ ምልክታ ኣብ ናይ መስከረም 2004 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ርአ።

◼ ንኣስፋሕቲ እተገብረ ምድላዋት ዚገልጽ ፍሉይ ምልክታ ስለ ዘሎ: ኵሎም ኣስፋሕቲ ኣብቲ ሰንበት 20 መጋቢት ዚካየድ ህዝባዊ ኣኼባ ኺርከቡ ኣለዎም።

◼ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ነቲ ኣስፋሕቲ ብብሕቶም ዚገብርዎ ናይ ጽሑፍ ትእዛዝ ኣይቅበልን እዩ። እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ እቶም ናይ ብሕቶም ጽሑፍ ኪለኣኸሎም ዚደልዩ ነቲ ጽሑፋት ዚሕዝ ሓው እቲ ብብሕቶም ዚደልይዎ ጽሑፋት ምእንቲ ኺነግርዎ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ቕድሚ እቲ ናይ ጉባኤ ወርሓዊ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ናብ ማሕበር ምልኣኹ ምልክታ ኸም ዚንገር ኪገብር ይግብኦ። ብፍሉይ ትእዛዝ ዚመጽእ ጽሑፋት ኣየናይ ምዃኑ በጃኹም ኣይትረስዑ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ