ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 25 ሚያዝያ 2005 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ 7 መጋቢት ክሳዕ 25 ሚያዝያ 2005 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ናይ ዝርርብ ነጥቢ
1. ሓንቲ ፍልጥቲ ጥቕሲ ኣብ ቅድሚ ሰማዕትና ፍረ ብዘለዎ መገዲ ኸነንብባ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ [ht ገጽ 32 ቍ. 15-17]
ክፍሊ ቝ. 1
2. ኵሎም ክርስትያናት ናይ ምንባብ ክእለቶም ኬማዕብሉ ዘለዎም ስለምንታይ እዩ: ነዚ ብዚምልከትከ የሱስ ከመይ ዝበለ ኣብነት እዩ ዝገደፈ፧ [w03 15/3 ገጽ 10 ሕጡብ ጽሑፍ 5፣ ገጽ 12 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
3. ኣብነት ናይ ዮስያስን የሱስን ንመንእሰያት ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧ [w03 1/4 ገጽ 8 ሕጡብ ጽሑፍ 3-4፣ ገጽ 10 ሕጡብ ጽሑፍ 3]
4. ንኣምላኽ ክንኣምኖ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ምሳ. 3:5, 6) [w03 1/11 ገጽ 4 ሕጡብ ጽሑፍ 6-7]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
5. ሃና ኣብ እስራኤል ሰብኣዊ ንጉስ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን “ንንጉሱ ድማ ሓይሊ ይህቦ” ብምባል ናብ የሆዋ ዝጸለየት ስለምንታይ እያ፧ (1 ሳሙ. 2:10)
6. እስራኤላውያን: ታቦት ኣምላኽ ኣብ ማእከሎም ከሎ እውን ከይተረፈ ብምስዓሮም እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (1 ሳሙ. 4:3, 4, 10)
7. 1 ዜና መዋእል 2:13-15 ንዳዊት ሻውዓይ ወዲ እሰይ ከም ዝዀነ ገይራ ኽትገልጾ ኸላ: 1 ሳሙኤል 16:10, 11 ግን ከም ሻምናይ ገይራ እትገልጾ ስለምንታይ እያ፧
8. ንሳኦል ዜሳቕዮ ዝነበረ “ክፉእ መንፈስ” እንታይ እዩ፧ (1 ሳሙ. 16:14)
9. እቲ በታ ኣብ ዔን–ዶር ዝነበረት መንፈስ ጥንቍልና ዝነበራ ሰበይቲ ኣቢልካ እተገብረ ናይ “ሳሙኤል” ትንቢት: ልክዕ ድዩ ነይሩ፧ (1 ሳሙ. 28:16-19)