ሓድሽ መደብ ኣኼባ ወረዳ
ዓለም ንዘለኣለም ከም እትነብር ከተእምነና እያ እትደሊ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ካብዚ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ እዩ ዚነግረና። (1 ዮሃ. 2:15-17) ኣብ ምድሪ መዝገብ ምግባር ከንቱ ምዃኑ ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ንህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈስ ንምድልዳል: እቲ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2007 ዚውሰድ መደብ ኣኼባ ወረዳ “ኣብ ሰማይ . . . መዝገብ ግበሩ” ዚብል ኣርእስቲ ኺህልዎ እዩ።—ማቴ. 6:20
ቀዳመይቲ መዓልቲ:- ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም መንግስቲ ኣምላኽ ከተቐድምሲ ብሓቂዶ ይከኣል እዩ፧ እቲ ናይ መጀመርታ ዓውደ-መጽናዕቲ እተፈላለየ ሽግራት እናኣጋጠመና እውን ከይተረፈ መንግስቲ ኣምላኽ ከነቐድም ከም እንኽእል ከተባብዓና እዩ። እቲ ቐጺሉ ዚቐርብ ክልተ መደረታት መንፈሳዊ ሃብቲ ጸብለልታ ኸም ዘለዎ: ኣገልግሎትና ንኽንፍጽም ከኣ ኣብ የሆዋ ምውካል ከም ዜድሊ የጕልሕ።
ካልአይቲ መዓልቲ:- ኣብ ኣጠቓቕማ ግዜናን ሓይልናን ጥሪትናን እንታይ ምርጫ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ነዚ ብኸመይ ብጥበባዊ መገዲ ኽንጠቀመሉ ኸም እንኽእል ኣብቲ ኻልኣይ ዓውደ-መጽናዕቲ ኺግለጽ እዩ። እቲ ህዝባዊ መደረ ሕጂ እንታይ ዓይነት ስጕምቲ ኽንወስድ ከም ዘሎና ኺገልጽ እዩ። እቲ ናይ መደምደምታ መደረታት ብዛዕባ እቲ ቐዳምነት እንህቦ ነገራት ምትዕርራይ ክንገብር ዜድልየና እንተ ዀይኑ ንኽንውስን ኪሕግዘና እዩ።
ኣብ ክልቲኡ መዓልቲ እቲ ብመንፈስ ዚሃንጽ ኣኼባ ብምእካብ ‘ኣብ ሰማይ መዝገብ ንምግባር’ ክንተባባዕን ክንበራታዕን ኢና።