ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/06 ገጽ 6
  • ሓድሽ መደብ ኣኼባ ወረዳ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓድሽ መደብ ኣኼባ ወረዳ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንፈሳውነትና ንኽንሕሉ ዚሕግዘና ኣኼባ ወረዳ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ሓድሽ መደብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ‘ብግዜኡ እተዳለወ ምግቢ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ንእትረኽቦ ኣጋጣሚታት ንቑሕ ኵን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 12/06 ገጽ 6

ሓድሽ መደብ ኣኼባ ወረዳ

ዓለም ንዘለኣለም ከም እትነብር ከተእምነና እያ እትደሊ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ካብዚ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ እዩ ዚነግረና። (1 ዮሃ. 2:15-17) ኣብ ምድሪ መዝገብ ምግባር ከንቱ ምዃኑ ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ንህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈስ ንምድልዳል: እቲ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2007 ዚውሰድ መደብ ኣኼባ ወረዳ “ኣብ ሰማይ . . . መዝገብ ግበሩ” ዚብል ኣርእስቲ ኺህልዎ እዩ።—ማቴ. 6:20

ቀዳመይቲ መዓልቲ:- ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም መንግስቲ ኣምላኽ ከተቐድምሲ ብሓቂዶ ይከኣል እዩ፧ እቲ ናይ መጀመርታ ዓውደ-መጽናዕቲ እተፈላለየ ሽግራት እናኣጋጠመና እውን ከይተረፈ መንግስቲ ኣምላኽ ከነቐድም ከም እንኽእል ከተባብዓና እዩ። እቲ ቐጺሉ ዚቐርብ ክልተ መደረታት መንፈሳዊ ሃብቲ ጸብለልታ ኸም ዘለዎ: ኣገልግሎትና ንኽንፍጽም ከኣ ኣብ የሆዋ ምውካል ከም ዜድሊ የጕልሕ።

ካልአይቲ መዓልቲ:- ኣብ ኣጠቓቕማ ግዜናን ሓይልናን ጥሪትናን እንታይ ምርጫ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ነዚ ብኸመይ ብጥበባዊ መገዲ ኽንጠቀመሉ ኸም እንኽእል ኣብቲ ኻልኣይ ዓውደ-መጽናዕቲ ኺግለጽ እዩ። እቲ ህዝባዊ መደረ ሕጂ እንታይ ዓይነት ስጕምቲ ኽንወስድ ከም ዘሎና ኺገልጽ እዩ። እቲ ናይ መደምደምታ መደረታት ብዛዕባ እቲ ቐዳምነት እንህቦ ነገራት ምትዕርራይ ክንገብር ዜድልየና እንተ ዀይኑ ንኽንውስን ኪሕግዘና እዩ።

ኣብ ክልቲኡ መዓልቲ እቲ ብመንፈስ ዚሃንጽ ኣኼባ ብምእካብ ‘ኣብ ሰማይ መዝገብ ንምግባር’ ክንተባባዕን ክንበራታዕን ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ