ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ታሕሳስ:- እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ። ጥሪ:- ፍልጠት። ለካቲት:- ንየሆዋ ቕረቦ። መጋቢት:- መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
◼ ናይ 2007 በዓል ዝኽሪ መዐደሚ ወረቐት ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ብእትጥቀመሉ ቛንቋ ኣብ ቀረባ ግዜ ኺለኣኽ እዩ። ኣብ ክልኹም ካልእ ቋንቋታት ዚዝረብ እንተ ዀይኑ እሞ በቲ ቛንቋታት እቲ መዐደሚ ወረቐት እንተ ደሊኹም: ብእተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ በቲ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ፎርም (S-14) ጌርካ ኺእዘዝ ኣለዎ። በጃኹም ነቲ ኣብ ክልኹም ዜድሊ ቛንቋታት ጥራይ ሕተቱ።
◼ በዓል ዝኽሪ: ሰኑይ 2 ሚያዝያ 2007 ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኺበዓል እዩ። ናይ 2008 በዓል ዝኽሪ ኸኣ ቀዳም 22 መጋቢት ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኺበዓል እዩ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ: ኣካል ሽማግለታት ናይ በዓል ዝኽሪ መደረ ዜቕርብ ሓው ኪመርጹ ኸለዉ ሓደ ኻብቶም ዝያዳ ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለታት ኪመርጹ ደኣ እምበር በብተራ ኬቕርብዎ ወይ ዓመት ዓመት ንሓደ ሓው ጥራይ ኪህብዎ ኣይግባእን። ካብቶም ቅቡኣት ክርስትያናት መደረ ኺህብ ዚኽእል ሽማግለ ምስ ዚህሉ: ነቲ መደረ ንሱ ኬቕርቦ ኣለዎ።
◼ እዚ ዚስዕብ ጽሑፋት ኣብ መኽዘን ስለ ዘሎ ኽትእዝዙ ትኽእሉ ኢኹም:- ሶማልኛ:- ንዘልኣለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!፣ ትግርኛ:- ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት፣ እንግሊዝኛ:- እተወደበ፣ መንእሰያት—ንህይወትኩም ኣብ ምንታይ መዓላ ኢኹም እተውዕልዋ፧ (ትራክት)፣ መጽሓፍ ዓመት 2006፣ ንየሆዋ ቕረቦ ብኣውድዮ ካሴት፣ እንግሊዝኛ ብረይል:- ትራክት 13 (ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምንዎ እትኽእልሉ ምኽንያት)፣ ፈረንሳይኛ:- መንእሰያት—ንህይወትኩም ኣብ ምንታይ መዓላ ኢኹም እተውዕልዋ፧ (ትራክት)
◼ ኪመጽእ ትጽቢት ዚግበረሉ ሓደስቲ ጽሑፋት:- ትግርኛ:- ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር 2007፣ ቻይንኛ (ቀሊል ዝዓይነቱ):- እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ፣ ትራክት 26፣ ኣምሓርኛ:- ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር 2007፣ ትራክት 17 (ፒስፉል ኒው ዎርልድ፣ ንኣይሁድ)፣ ትራክት 18 (ጂሆቫስ ዊትነስስ፣ ንኣይሁድ)፣ እንግሊዝኛ:- ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር 2007፣ ዓውደ-ኣዋርሕ 2007፣ ትርጕም ሓዳስ ዓለም (bi12)፣ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ብዲቪዲ (dvcbi7)፣ ኦሮምኛ:- ‘ኪዱ እናኣጥመቕኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም’ (ንጥምቀት እተዳለወ ሕቶታት)፣ ወላይትኛ:- ብቕዓት፣ ስፕሪትስ ኦቭ ዘ ዴድ፣ ፈረንሳይኛ:- ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር 2007።
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ዝመጸ:- ትግርኛ:- መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር፣ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ፣ ኣምሓርኛ:- መንእሰያት ዝሓትዎ፣ ብቕዓት፣ ሃው ካን ብላድ ሴቭ ዮር ላይፍ፧፣ ትራክት ቍ. 16, 20, 22፣ ፈረንሳይኛ:- ሓጐስ ስድራቤት፣ ትራክት 21።