ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥሪ:- ፍልጠት። ለካቲት:- ንየሆዋ ቕረቦ። መጋቢት:- መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ሚያዝያ:- መጽሔታት። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብሩ ኸለኹም: ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ እትበሃል መጽሓፍ ኣበርክቱ።
◼ እንተ ደንጐየ ኻብ 4 መጋቢት ጀሚሩ ብሓለውቲ ወረዳ ዚወሃብ ሓድሽ ህዝባዊ መደረ: “ናብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ኪኣቱ ዚበቅዕ መን እዩ፧” ዚብል ኪኸውን እዩ።
◼ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣኼባ ኣገልግሎት ነታ ያንግ ፒፕል ኣስክ—ዋት ዊል ኣይ ዱ ዊዝ ማይ ላይፍ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኽንመያየጠላ ኢና። ኣድላዪ እንተ ደኣ ዀይኑ: ቅዳሕ እዛ ቪድዮ ካሴት እዚኣ ብጉባኤ ኣቢልካ ብዝቐልጠፈ ኺሕተት ኣለዎ።
◼ እቲ ብቛንቋ ቻይና ዚዳሎ ጽሑፋትና ብኽልተ ዓይነት ፊደላት እዩ ዚሕተም። ኣብ ሆንግ ኮንግን ታይዋንን ዘለዉ ሰባት ብሓፈሻ ነቲ ባህላዊ ኣጸሓሕፋ: ንሕና ኸኣ “Chinese” (CH) ኢልና ሰዪምናዮ ዘለና እዮም ዚጥቀሙ። መብዛሕትኦም ካልኦት ቋንቋ ቻይና ዚጥቀሙ ግን ነቲ ዝቐለለ ኣጸሓሕፋ ማለት “Simplified Chinese” (CHS) እዮም ዚጥቀሙ። ሓደ ሰብ ዜንብቦ ፊደላት ካንቶኒስ: ማንዳሪን: ወይ ካልእ ላህጃ ኸም ዚዛረብ ስለ ዘይሕብር: እቲ ሰብ ኣየናይ ኣጸሓሕፋ ኸም ዚመርጽ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ንምፍላጥ ነታ ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት ዘርእስታ ጽሕፍቲ ገጽ 13-14 ምጥቃም ይከኣል እዩ። በዚ ኸምዚ: ጽሑፋት በቲ ልክዕ ኣጸሓሕፋ ምሕታት ይከኣል።
◼ ጉባኤታት ነቲ ሰኑይ 2 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ዚግበር በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ግቡእ መሰናድዎ ኺገብራ ኣለወን። እቲ መደረ ኣቐዲሙ ኺጅመር ዚከኣል እኳ እንተ ዀነ: እቲ ናይ ዝኽሪ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ምዛር ግን ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ኺጅመር የብሉን። ኣብ ከባቢኹም ጸሓይ እትዓርበሉ ሰዓታት ንምፍላጥ ምንጭታት እቲ ኸባቢ ተወከሱ። ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ናይ ገዛእ ርእሳ በዓል ዝኽሪ ኽትገብር ነተባብዕ። እዚ ግን ሓድሓደ ግዜ ዘይከኣል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ጉባኤታት ሓደ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚጥቀማ ምስ ዚዀና: ምናልባት ሓዲአን ወይ ገሊአን ነታ ምሸት እቲኣ ኻልእ መአከቢ ቦታ ኺደልያ ይኽእላ እየን። ኵላቶም ካብቲ ኣጋጣሚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺጥቀሙ: ኣብ መንጎ ናይ ክልተ ጉባኤታት መደብ እንተ ወሓደ ናይ 40 ደቒቕ ፍልልይ ክትገብሩ ጽቡቕ እዩ። ናይ ትራፊክ ኵነታት: ናይ ማካይን ደው መበሊ: ከምኡውን ነቶም ሓደስቲ ሰባት ከነምጽኦምን ክንመልሶምን ከለና እተን ማካይን ኣበይ ደው ኢለን ከም ዜውርዳኦም ኪሕሰበሉ ኣለዎ። ኣካል ሽማግለታት ኣብቲ ኸባቢ እንታይ መሰናድዎ እንተ ገበሩ ዝበለጸ ኸም ዚኸውን ኪውስኑ ይግባእ።
◼ ናይ ጉባኤ ጸሓፍቲ: ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ስሩዕ ፈላሚ እተሸመሉ ደብዳበ ሽመት (S-202) ከም ዘለዎም ኬረጋግጹ ኣለዎም። እንተ ዘይብሎም ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪጽሕፉ ኣለዎም።
◼ ነቲ ብዛዕባ ጥቕሲ ዓመት ዚገልጽ ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጽ ዝሓዘ ናይ 15 ታሕሳስ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ደንጕዩ ዚበጽሐን ጉባኤታት: ምስ በጽሐን ብኡንብኡ ንኺጽናዕ መደብ ኪገብራ ኣለወን።
◼ ሓድሓደ ግዜ ውልቀ-ሰባት ወይ ጉባኤታት ካብቲ ነቲ ዚእከቡሉ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይኰነስ: ንህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብሓፈሻ ውጽኢታት ይገብሩ እዮም። ዝዀነ ይኹን ከምዚ ዓይነት ንህንጸት ካልኦት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ወፈያታት ኣብቲ “ንማዕከን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ” ዚብል ቦታ ተመሊኡ ኺለኣኽ ኣለዎ።