ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ለካቲት:- ንየሆዋ ቕረቦ። መጋቢት:- መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧። ሚያዝያን ግንቦትን:- መጽሔታት። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብሩ ኸለኹም: ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ዓድሉ።
◼ እቲ ጸሓፍን እቲ ሓላው ኣገልግሎትን ንንጥፈታት ኵሎም ስሩዓት ፈለምቲ ኺምርምርዎ ኣለዎም። ነቲ ዜድሊ ሰዓታት ኣብ ምምላእ ሽግር ዘለዎ ምስ ዚህሉ: እቶም ሽማግለታት ንምሕጋዙ መደብ ኪገብሩ ኣለዎም። ብዛዕባ እዚ ሓሳባት ንምርካብ ነቲ ዓመታዊ ደብዳበታት S-201 ርኣዩ።
◼ እቲ በዓል ዝኽሪ 2007 ኣብ ዚግበረሉ ወቕቲ ዚወሃብ ፍሉይ ህዝባዊ መደረ “ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ክትቀስኑ ትኽእሉ ኢኹም!” ዚብል እዩ። ምስዚ እተተሓሓዘ ምልክታ ኣብ ናይ ጥቅምቲ 2006 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ርአ።
◼ ሓደስቲ ጽሑፋት:- ትግርኛ:- ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ፣ ቻይንኛ (Simplified):- ብቕዓት: ትራክት ቍ. 26፣ እንግሊዝኛ:- ኪንግደም ሜሎዲስ ቍ. 4 ኣብ ሲዲ: ኖዋህ ኤንድ ዴቪድ ኣብ ዲቪዲ: ያንግ ፒፕል ኣስክ . . . ማይ ላይፍ ኣብ ዲቪዲ: ጂሆቫስ ዊትነስ ኦርጋናይዝድ ቱ ሼር ዘ ጉድ ኒውስ ኣብ ዲቪዲ።
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ዝመጸ ጽሑፋት:- ትግርኛ:- መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር: ትራክት ቍ. 19, 20፣ እንግሊዝኛ:- ብቕዓት፣ ኦሮምኛ:- መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር: ንቑሕ ኩን!: ብቕዓት: ትራክት ቍ. 15።