ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ሓምለን ነሓሰን:- ብሮሹራት። መስከረም:- መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ጥቅምቲ:- መጽሔታት ከምኡውን T-27 (እዚ ዅሉ መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ!)።
◼ መስከረም ሓሙሽተ ቐዳመ-ሰናብቲ ስለ ዘለዋ: ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን እትምሽእ ወርሒ እያ።
◼ ሓለውቲ ወረዳ ኻብ ወርሒ መስከረም ኣትሒዞም: “መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ዚሕብር እንታይ እዩ፧” ዘርእስቱ ህዝባዊ መደረ ኺህቡ እዮም።
◼ ስሩዕ ፈላሚ ንምዃን ዚቐርብ መመልከቲ ፎርም እንተ ወሓደ 30 መዓልቲ ቕድሚ እቲ ኺጅምረሉ ዚሕተት ዘሎ ዕለት ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፍር ኪለኣኽ ኣለዎ። እቲ ጸሓፊ ጉባኤ: እቲ ፎርም ብግቡእ ከም እተመልአ ንምርግጋጽ ኪርእዮ ኣለዎ። እቶም ኣመልከትቲ እተጠመቕሉ ዕለት ብልክዕ ኪዝክርዎ እንተ ደኣ ዘይክኢሎም: ብግምት መዓስ ምዃኑ ኺመልኡ: ነታ ዕለት ድማ ኪምዝግብዋ ኣለዎም። እቲ ጸሓፊ ነታ ዕለት ኣብ ናይ ጉባኤ ኣስፋሒ መዝገብ (S-21) ኬስፍራ ኣለዎ።
◼ ዓመታዊ ፍቕዲ እቲ ኣብ መኽዘን ዘሎ ጽሑፋትን መጽሔታትን ኣብ 31 ነሓሰ 2007 ወይ ብእተኻእለ መጠን ካብዚ ዕለት እዚ ኸይረሓቐ ኺግበር ኣለዎ። እዚ ፍቕዲ እዚ ምስቲ እቲ ኣተሓባባሪ ጽሑፋት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዚገብሮ ምፍቃድ ዚመሳሰል እዩ: እቲ ድምር ድማ ኣብቲ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ (S-18) ፎርም ኪምዝገብ ኣለዎ። ጠቕላላ ድምር እቲ ኣብ መኽዘን ዘሎ መጽሔታት ካብ ናይ መጽሔት ኣገልገልቲ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ኺርከብ ይከኣል እዩ። እቲ ናይታ ኣተሓባባሪት ጉባኤ ጸሓፊ ነቲ ፍቕዲ ኺቈጻጸሮ ይግባእ። ንሱን እቲ ኣስተናባሪ ሓላዊ እታ ኣተሓባባሪት ጉባኤን ነቲ ፎርም ይፈርሙሉ። ነፍሲ ወከፍ ኣተሓባባሪት ጉባኤ ሰለስተ ቕዳሕ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ ፎርም ክትቅበል እያ። በጃኹም ነቲ ቐንዲ ቕዳሕ ክሳዕ 6 መስከረም ከይደንጐኹም ናብ ውድብ ልኣኽዎ። ቅዳሕ ኣብ መዛግብትኹም ሓዙ። እቲ ሳልሳይ ቅዳሕ ከም መስርሒ ዀይኑ ኼገልግል ይኽእል እዩ።