ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ታሕሳስ:- እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ወይ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት። ጥሪ:- ፍልጠት ወይ ንቑሕ ኩን!። ለካቲት:- መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት። መጋቢት:- መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
◼ እቲ ኣስተናባሪ ሓላዊ ዝመዘዞ ሓው: ናይ መስከረም: ጥቅምቲ: ከምኡውን ሕዳር ሕሳብ እታ ጉባኤ ኺምርምሮ ኣለዎ። ሓደ ሓው ተኸታታሊ ምርመራ ሕሳብ ኪገብር የብሉን። እቲ ሕሳብ ምስ ተመርመረ: ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዚህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ኺንገራ ኣለዎ።—መምርሒታት ሕሳብ ጉባኤ (S-27) ርአ።
◼ ካብ ናይ 15 ጥሪ 2008 ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ጀሚሩ: እቲ ብትግርኛ ዚውሰድ መደብ መጽናዕቲ ምስ ናይ እንግሊዝኛ መደብ መጽናዕቲ ማዕረ ኪኸውን እዩ። ስለዚ: ሽዱሽተ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤ ኺጽናዕ ኣለዎ። ነዚ መደብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ዘለዉ ኣካል ሽማግለታት ኬውጽእዎ ይኽእሉ እዮም። እዚ ምትዕርራያት እዚ ነቲ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ስለ ዚደፍኦ: ምስቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ መደብ መጽናዕቲ እታ ራእይ ፍጻሜኡ እትበሃል መጽሓፍ ማዕረ ንምዃን ንሽዱሽተ ሰሙን ዕጽፊ መጠን ኪውሰድ ኣለዎ። እቶም ተኣከብቲ ነቲ እተገብረ ለውጥታት ኪዳለዉሉ ምእንቲ ኪኽእሉ: እቶም ሽማግለታት ነቲ ለውጥታት ኣቐዲሞም ብምልክታ ኸም ዚንገር ኪገብሩ ይግባእ።
◼ ሓድሽ ኣብ መኽዘን:- ትግርኛ:- “ንዓ ስዓበኒ”፣ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2008፣ ኣምሓርኛ:- ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2008፣ እንግሊዝኛ:- “ንዓ ስዓበኒ”፣ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2008፣ ዓውደ-ኣዋርሕ 2008፣ ኖ ብላድ ኣብ ዲቪዲ፣ ሼር ጉድ ኒውስ ከምኡውን ሆል ኣሶስየሽን ኦቭ ብራዘርስ ኣብ ዲቪዲ፣ ኦሮምኛ:- ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2008፣ ወላይትኛ:- ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት፣ ዓርኪ ኣምላኽ።
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ዝመጸ:- ትግርኛ:- መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር፣ T-21፣ ኣምሓርኛ:- እተወደበ፣ መለኮታዊ ስም፣ ዓርኪ ኣምላኽ፣ ሉክ!፣ ዕላማ ህይወት፣ ብቕዓት፣ ስፕሪትስ ኦቭ ዘ ዴድ፣ ስላሴ፣ ምስ ሞትና፣ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት፣ ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ፣ T-15፣ ሪል ፍሬንድስ (ቪድዮ ካሴት)፣ እንግሊዝኛ:- ክሪኤተር፣ መንእሰያት ዝሓትዎ፣ ኪንግደም ሜሎዲስ ቍ. 4 ኣብ ሲዲ፣ ጂሆቫስ ኔም (ድራማ) ኣብ ሲዲ፣ ሪል ፍሬንድስ ኣብ ዲቪዲ፣ ኦሮምኛ:- ዓርኪ ኣምላኽ፣ T-13፣ ፈረንሳይኛ:- ክሪኤተር፣ ራእይ፣ ኣምልኽ፣ መጽሓፍ ቅዱስ (bi-12)።