ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/08 ገጽ 8
  • ምስክርነት እምነት!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስክርነት እምነት!
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዲና እንነብር ዘለና፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ ድዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • “ምልክት ምህላውካ እንታይ እዩ?”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 2/08 ገጽ 8

ምስክርነት እምነት!

1. የሱስ እንታይ ዜናውጽ ፍጻመታት ከም ዜጋጥም እዩ እተነበየ፧

1 ሃዋርያት: የሱስ ብዛዕባ ህላወኡን መደምደምታ እዚ ስርዓት እዝን ኪዛረብ ከሎ ጽን ኢሎም ይሰምዕዎ ነበሩ። ከም ውግእ: ጥሜት: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ከምኡውን ፌራ ዝኣመሰለ ዜናውጽ ፍጻመታት ኣብ ሰባት ኪወርድ ምዃኑ ተዛረበ። ቀጺሉ: ሰዓብቱ ኺጽልኡ: ንመከራ ኣሕሊፎም ኪወሃቡ: ከምኡውን ኪቕተሉ ምዃኖም ተዛረበ። ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ: ንብዙሓት እውን ኬስሕቱ እዮም። ፍቕሪ ብዙሓት ሰባት ድማ ክትዝሕል እያ።

2. ሎሚ እቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ዓለም ምስባኹ ዜደንቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

2 የሱስ ጽንኩር ኵነታት ኪህሉ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃሱ: እቲ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ ምባሉ ነቶም ሃዋርያት ደንጽዩዎም ይኸውን እዩ። (ማቴ. 24:3-14) ሎሚ ዜደንቕ ፍጻመ እዚ ትንቢት እዚ ንርኢ ኣለና። ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር እዋን ንነብር እኳ እንተ ኣለና: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት ብቕንኣት ይእውጁ ኣለዉ። ፍቕሪ ዓለም ክትዝሕል ከላ: ፍቕርና ግን ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ሃልሃል ትብል ኣላ። “ኵሎም ኣህዛብ” እኳ እንተ ጸልኡና: ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ግን ንሰብኽ ኢና።

3. ኣብቲ ዓለምለኻዊ ጸብጻብ እንታይ ዜተባብዓካ ኣሃዝ ረኺብካ፧

3 ከምቲ ኻብ ገጽ 3 ኽሳዕ 6 ተሓቢሩ ዘሎ: ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ዝገበርዎ ንጥፈታት ምምርማር ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ! ብተኸታታሊ ንመበል 16 ግዜ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓት ኣብቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ኣሕሊፎም። እዝስ ከመይ ዝበለ ምስክርነት እምነት ኰን እዩ! ኣብ ቍጽሪ ፈለምቲ 5.8 ሚእታዊት: ኣብ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ 3.1 ሚእታዊት: ኣብ ቍጽሪ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ 4.4 ሚእታዊት ወሰኽ ተገይሩ። ጥምቀት ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ብ20.1 ሚእታዊት ክብ ኢሉ። ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት: ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ብዝሒ: ንየሆዋ ብተኣማንነት ኬገልግልዎ ምርኣይሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! ነቲ ሰሌዳ ኽትምርምሮ ኸለኻ: ብፍላይ ዘተባብዓካ እንታይ ረኺብካ፧

4. ሓደ ሰብኣይ ንኺጥመቕ እንታይ ጸገማት ሰጊሩ፧

4 እቲ ኣሃዝ ንባዕሉ ዜገርም እኳ እንተ ዀነ: ነቶም እምነቶም ብተግባር ዘርኣዩ ሰባት ዚውክል ምዃኑ ግን ክንርስዕ የብልናን። ሓደ ኣብነት ንውሰድ። ጊልየርሞ ኣብ ቦሊቭያ እዩ ዓብዩ። ብ1935 እዩ ተወሊዱ፣ ካብ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ኣትሒዙ ኣብቲ ኮካ ዚበሃል ዜደንዝዝ ኣትክልቲ ዚፈርየሉ ሕርሻ ይሰርሕ ነበረ። ካብ ግዜ ቝልዕነቱ ኣትሒዙ: ካብቲ ናይ ጕልበት ስርሑ ዜስዕበሉ ዝነበረ ድኻም ዕረፍቲ ንምርካብ ኢሉ ኣቝጽልቲ እዚ ተኽሊ ይሓይኽ ነበረ። ጸኒሑ ድማ ኣልኮላዊ መስተ ኼብዝሕን ሽጋራ ኼትክኽን ጀመረ። የሆዋ ኻብኡ እንታይ ብቕዓት ከም ዚደሊ ኺመሃር ምስ ጀመረ: ሽጋራ ምትካኽን ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕን ገደፎ። እቲ ዝዓበየ ብድሆኡ: ነቲ ምሉእ ዕድሜኡ ዝሓይኮ ዝነበረ ዜደንዝዝ ኣቝጽልቲ ምቍራጽ እዩ ነይሩ። ከይተሓለለ ጸለየ: ነዚ ልማድ እዚ ድማ ኣወገዶ። ንዅሉ ሕማቕ ኣመላቱ ኣወጊዱ ተጠምቀ። “ሕጂ: ንጹህን ሕጉስን እየ” ይብል።

5. ድሌትካ እንታይ እዩ፧

5 የሆዋ ንሰባት ብሓቂ ይግደሰሎም እዩ። ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ ድማ እዩ ዚደሊ። (2 ጴጥ. 3:9) ንሕና እውን ድሌትና ኸምኡ እዩ። እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ልክዕ ከማና ንየሆዋ ምእንቲ ኺፈልጥዎን ኬፍቅርዎን ንኽንሕግዞም ዚከኣለና ዅሉ ኽንገብር ካብ ልብና ንለዓዓል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ