ሕቶ ሳጹን
◼ ክልቲኦም ወለዲ ንስሩዕ መጽናዕቲ ስድራ ቤት ጸብጻብ ኪህቡሉ ይኽእሉ ድዮም፧
ኣቦታት ንደቆም “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ናይ ምዕባይ ቀንዲ ሓላፍነት እኳ እንተ ኣለዎም፡ ክልቲኦም ወለዲ ግና ንደቆም ኣብ ምስልጣን ግደ ኣለዎም። (ኤፌ. 6:4) መጽሓፍ ቅዱስ ንውሉዳት፡ “ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ” ኢሉ ይምዕድ። (ምሳ. 1:8) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራ ቤት፡ ወለዲ ንደቆም ዜሰልጥኑሉ ኣገዳሲ መዳይ እዩ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ዋላ እኳ ኽልቲኦም ወለዲ ኣብቲ ንዘይተጠምቁ ውሉዳቶም ዚገብርዎ መጽናዕቲ እንተ ተኻፈሉ፡ እቲ ነቲ መጽናዕቲ ስድራ ቤት ዚመርሖ ወላዲ ጥራይ እዩ ጸብጻብ ዚህብ ነይሩ። እዚ ግን ምትዕርራይ ተገይሩሉ እዩ። ኣብ እዋን መጽናዕቲ ስድራ ቤት ክልቲኦም ወለዲ ሓቢሮም ንውላዶም ኣብ ምምሃር እንተ ተኻፊሎም፡ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ኽልቲኦም እንተ በዝሐ ሓሓደ ሰዓት ኪቘጽሩ ይኽእሉ እዮም። ልክዕ እዩ፡ ወለዲ ብሓፈሻኡ ንውሉዳቶም ኣብ ምምሃር ኣብ ሰሙን ልዕሊ ሓደ ሰዓት እዮም ዜሕልፉ። ክልቲኦም ወለዲ ንውሉዳቶም ንምስልጣን ቀጻሊ ጻዕሪ እዩ ዚሓቶም። (ዘዳ. 6:6-9) ይኹን እምበር፡ ወርሓዊ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብቐዳምነት ነቲ ኣብ ወፍሪ እተዓመመ ነገራት እዩ ዜርኢ። ስለዚ፡ እቲ መጽናዕቲ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት እኳ እንተ ቐጸለ፡ ኣብ ሰሙን ልዕሊ ሓደ ግዜ እውን እንተ ተገብረ፡ ወይ ነቶም ውሉዳት ፈላሊኻ መጽናዕትታት እንተ ተመርሓሎም፡ ኣብ ሰሙን ልዕሊ ሓደ ሰዓት ኪቝጸር የብሉን። ሓደ ወላዲ ጥራይ ጸብጻብ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራ ቤት ይቘጽር፡ ኣብቲ መጽናዕቲ እተኻየደሉ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ድማ ሓደ ተመላሊስካ ምብጻሕ ይቘጽር።