ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/08 ገጽ 3
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ንሓልዮት ስድራቤት ዝምልከት ሓላፍነት ምስካም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም ብፍቕሪ ኣሰልጥንዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ስድራ ቤትካ ብኸመይ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል፧—2ይ ክፋል
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 9/08 ገጽ 3

ሕቶ ሳጹን

◼ ክልቲኦም ወለዲ ንስሩዕ መጽናዕቲ ስድራ ቤት ጸብጻብ ኪህቡሉ ይኽእሉ ድዮም፧

ኣቦታት ንደቆም “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ናይ ምዕባይ ቀንዲ ሓላፍነት እኳ እንተ ኣለዎም፡ ክልቲኦም ወለዲ ግና ንደቆም ኣብ ምስልጣን ግደ ኣለዎም። (ኤፌ. 6:4) መጽሓፍ ቅዱስ ንውሉዳት፡ “ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ” ኢሉ ይምዕድ። (ምሳ. 1:8) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራ ቤት፡ ወለዲ ንደቆም ዜሰልጥኑሉ ኣገዳሲ መዳይ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ዋላ እኳ ኽልቲኦም ወለዲ ኣብቲ ንዘይተጠምቁ ውሉዳቶም ዚገብርዎ መጽናዕቲ እንተ ተኻፈሉ፡ እቲ ነቲ መጽናዕቲ ስድራ ቤት ዚመርሖ ወላዲ ጥራይ እዩ ጸብጻብ ዚህብ ነይሩ። እዚ ግን ምትዕርራይ ተገይሩሉ እዩ። ኣብ እዋን መጽናዕቲ ስድራ ቤት ክልቲኦም ወለዲ ሓቢሮም ንውላዶም ኣብ ምምሃር እንተ ተኻፊሎም፡ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ኽልቲኦም እንተ በዝሐ ሓሓደ ሰዓት ኪቘጽሩ ይኽእሉ እዮም። ልክዕ እዩ፡ ወለዲ ብሓፈሻኡ ንውሉዳቶም ኣብ ምምሃር ኣብ ሰሙን ልዕሊ ሓደ ሰዓት እዮም ዜሕልፉ። ክልቲኦም ወለዲ ንውሉዳቶም ንምስልጣን ቀጻሊ ጻዕሪ እዩ ዚሓቶም። (ዘዳ. 6:6-9) ይኹን እምበር፡ ወርሓዊ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብቐዳምነት ነቲ ኣብ ወፍሪ እተዓመመ ነገራት እዩ ዜርኢ። ስለዚ፡ እቲ መጽናዕቲ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት እኳ እንተ ቐጸለ፡ ኣብ ሰሙን ልዕሊ ሓደ ግዜ እውን እንተ ተገብረ፡ ወይ ነቶም ውሉዳት ፈላሊኻ መጽናዕትታት እንተ ተመርሓሎም፡ ኣብ ሰሙን ልዕሊ ሓደ ሰዓት ኪቝጸር የብሉን። ሓደ ወላዲ ጥራይ ጸብጻብ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራ ቤት ይቘጽር፡ ኣብቲ መጽናዕቲ እተኻየደሉ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ድማ ሓደ ተመላሊስካ ምብጻሕ ይቘጽር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ