ንሓደስቲ ሰባት ብኸመይ ከም ዚሰብኩ ኣሰልጥኖም
1. ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ኣብ እተኻፈልካሉ እዋን ከመይ ተሰሚዑካ፧
1 ንፈለማ ግዜ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኬድካ ዘገልገልካሉ እዋን ትዝክሮዶ፧ ምናልባት ፈሪህካ ኔርካ ትኸውን። ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃረካ ሰብ ወይ ከኣ ምስ ካልእ ኣስፋሒ እንተ ኔርካ ግን፡ በቲ ሓገዙ ኸም እተሓጐስካ ኣየጠራጥርን እዩ። ሕጂ ኸም ኣገልጋሊ መጠን ተመክሮ ስለ ዘጥረኻ፡ ንሓደስቲ ሰባት ብኸመይ ከም ዚሰብኩ ኸተሰልጥኖም ትኽእል ኢኻ።
2. ሓደስቲ ኣስፋሕቲ እንታይ ኪመሃሩ ኣለዎም፧
2 ሓደስቲ ኣስፋሕቲ ብኸመይ ምስ ሰብ ቤት ዝርርብ ከም ዚጅምሩ፡ ብኸመይ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጥቀሙ፡ ብኸመይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ከም ዚገብሩ፡ ከምኡውን ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜጀምሩን ዚመርሑን ኪስልጥኑ ኣለዎም። ኣብ እተፈላለየ መዳያት ኣገልግሎት ብኸመይ ከም ዚካፈሉ እውን ኪመሃሩ ኣለዎም፣ እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ምምስካርን ኣብ ቦታታት ስራሕ ምስባኽን ዜጠቓልል እዩ። ብኣብነትካን ብእትህቦ ሓሳባትን ኣቢልካ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ምምሕያሽ ኪገብሩ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ።
3. ንኻልኦት ብኣብነትና ኣቢልና እንምህሮም ብኸመይ ኢና፧
3 ብኣብነት ምሃር፦ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ከም ዚሰብኩ ኣርኣዮም። (ሉቃ. 8:1፣ 1 ጴጥ. 2:21) ምስ ሓደ ሓድሽ ኣስፋሒ ኸተገልግል ክትምደብ ከለኻ፡ ኣብ ሓደ ኻብ ጽሑፋትና ዚርከብ መርኣዪ ተጠቒምካ፡ እቲ ኣስፋሒ ኪቐድሖ ዚኽእል ቀሊል ኣቀራርባ ተዳሎ። ድሕሪኡ፡ እቲ ኣስፋሒ እንታይ ከም እትብል ምእንቲ ኺሰምዓካ፡ ነቶም መጀመርታ እትረኽቦም ሰብ ቤት ባዕልኻ ኣዘራርቦም። ኣብ መንጎ ኣገልግሎትኩም፡ ብዛዕባ ውጽኢታውነት ኣቀራርባኻ ርእይቶ ምእንቲ ኺህበካ፡ ነቲ ኣስፋሒ ሕተቶ። ከምዚ ምግባርካ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ኣገልግሎት ምክፋል ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ኺግንዘብ እዩ፣ ብዛዕባ እቲ እተዳለወሉ ኣቀራርባ እትህቦ ሓሳብ ንኪቕበል ከኣ ዝቐለለ ይዀነሉ።
4. ንኣቀራርባ ሓደ ሓድሽ ኣስፋሒ ድሕሪ ምስማዕና ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧
4 ርእይቶ ሃብ፦ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ከም ዚሰብኩ መምርሒ ሃቦም። (ማቴ. 10:5-14) ንስኻ እውን ንሓደ ሓድሽ ኣስፋሒ ብተመሳሳሊ መገዲ ኽትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። ንሱ ኺዛረብ ከሎ፡ ጽን ኢልካ ስማዕ። ንሓደ ብዓል ቤት ኣዘራሪቡ ምስ ወድአ፡ ዋላ እውን ምምሕያሽ ዜድልዮ ነጥብታት እንተ ረኣኻ፡ ካብ ልቢ ዝመነጨ ንጹር ናእዳ ሃቦ። ርእይቶ ቕድሚ ምሃብካ፡ ኣብታ እትቕጽል ቤት ምምሕያሽ እንተ ገይሩ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ስለ ዝፈርሀ ተጋግዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ሕደ ኽእለት ከም ዘይብሎም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ፡ ሓደ ነገር ብእተፈላለየ መገዲ ኺዕመም ከም ዚከኣል ኣይትረስዕ።—1 ቈረ. 12:4-7።
5. ብተበግሶና ርእይቶ ኣብ እንህበሉ እዋን እንታይ ክንብል ንኽእል፧
5 ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደ ሓድሽ ኣስፋሒ ርእይቶ ኽትህቦ ይሓተካ ይኸውን። ዋላ እውን ከምኡ ኣይግበር፡ ብተበግሶኻ ሓግዞ። ከመይ ጌርካ ብሜላ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእል፧ ገሊኦም ምኩራት ኣስፋሕቲ፡ “ሓንቲ ርእይቶዶ ኽህበካ፧” ወይ “ኣገልግሎት ከመይ ረኺብካዮ፧” ኢሎም ይሓቱ። “ሓድሽ ኣስፋሒ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ [ከምዚ] ምግባር ኣጸጊሙኒ ነይሩ፣ [እዚ] ግን ሓጊዙኒ” ኽትብል እውን ትኽእል ኢኻ። ሓድሓደ ግዜ፡ ነታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብሓባር ምውካስ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምኽሪ ምእንቲ ኸይተብዝሓሉ፡ ኣብ ሓደ ነጥቢ ዘተኰረ ርእይቶ ጥራይ ሃቦ።
6. ንኣገልግሎት ብዚምልከት፡ ‘ሓጺን ንሓጺን ዚስሕሎ’ ብኸመይ እዩ፧
6 ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፦ ጳውሎስ ነቲ ምኩር ወንጌላዊ ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ ናብ ምምሃር ምእንቲ ኬቕልብን ወሰኽ ምእንቲ ኺገብርን ኣተባብዖ። (1 ጢሞ. 4:13, 15) ኣገልግሎት ካብ እትጅምር ነዊሕ ዓመታት እኳ እንተ ገበርካ፡ ወትሩ ኽእለትካ ኣመሓይሽ። ምስቶም ኣብ ኣገልግሎት ሒደት ተመክሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ኣብ እተገልግለሉ ግዜ እውን ከይተረፈ፡ ካብኦም ተምሃር፣ ብሕልፊ ንሓደስቲ ሰባት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ክኢላታት ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብሕያውነት ሓግዞም።—ምሳ. 27:17።