ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ጸብጻብ ዓመት ኣገልግሎት 2010 ከም እተዛዘመን ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ልዕሊ 9,000 ኸም ዝበጽሐን ክንሕብረኩም ከለና ደስ ይብለና። ኣብ ነሓሰ፡ 9,009 ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ሂቦም። ኣብዚ ዓመት እዚ፡ 3 ሚእታዊት ወሰኽ ነይሩ። ኣብ ነሓሰ፡ ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብገምጋም 13.6 ሰዓታት ኣሕሊፎም፣ ብገምጋም 0.4 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሖም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት፡ ብድምር 537 ሰባት ህይወቶም ወፍዮም ተጠሚቖም።