ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ኣብ ወርሒ ሕዳርን ወርሒ ታሕሳስን፡ ኣብ 183 ጉባኤታትን 26 ጕጅለታትን እንርከብ ልዕሊ 9,000 ኣስፋሕቲ ጸብጻብ ሂብና። ኣብተን ኣርባዕተ ቐዳሞት ኣዋርሕ እዚ ኣገልግሎት ዓመት እዚ፡ 17 ሓደስቲ ጉባኤታት ተመስሪተን። ኣብ ክልና እታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ብጽቡቕ ስለ እተዓይየላ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ብጠቕላላ 20,570 ብሮሹራት ተበርኪቱ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ልዕሊ 7,000 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሪሑ ምርኣይና ኣሐጒሱና እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምርን ቀጻሊ መጽናዕቲ ንኽትመርሕን ጻዕሪ ግበር።