ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ናይ ግንቦት 2011 ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዜተባብዕ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ወርሒ እዚ፡ 9,192 ዚዀኑ ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ኣገልግሎት ብንጥፈት ተኻፊሎም እዮም፣ እዚ ኣሃዝ እዚ ኸኣ፡ ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ እዩ። ካብዞም ኣስፋሕቲ እዚኣቶም፡ እቶም 1,383 ስሩዓት ፈለምቲ እዮም። ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኻብ ዚመጽእ መስከረም ጀሚሮም ፈለምቲ ንኪዀኑ ይምድቡ ኸም ዘለዉ ኣየጠራጥርን እዩ። ስለዚ፡ እቲ ኣብ ጉባኤኹም ዚርከብ ኮሚተ ኣገልግሎት ነቲ መመልከቲ ወረቐት ብቕልጡፍ ናባና ምእንቲ ኺልእኮ፡ ቀልጢፍካ ምልኣዮ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ብድምር 7,311 ዚዀኑ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባሮም እውን ኣሐጒሱና እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ጉባኤ ብገምጋም 0.3 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሑ ማለት እዩ። ንስኻኸ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎካዶ፧ ስለቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝገበርኩምዎ ቕንኣት ዝመልኦ ተሳትፎ ኽንንእደኩም ንፈቱ።