ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ኣኼባ ኣውራጃና ድሕሪ ምዝዛምና፡ ኣብ ሕዳር ብዝገበርናዮ ተወሳኺ ንጥፈታት ወፍሪ ኣገልግሎት፡ 9,236 ኣስፋሕቲ፡ 259,226 መጽሔታት ኣበርኪትና ኢና። ክልቲኡ ኣሃዝ፡ ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ እዩ ነይሩ። ብድምር፡ 7,160 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመሪሑ እዩ። ኣብ ዚመጽእ ኣዋርሕ ነተን ሓደስቲ ብሮሹራትና ተጠቒምና፡ ዝያዳ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ተስፋ ንገብር።